ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን:ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝክልኽል ሕጊ ምጽዳቓ ሚንስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ


ሱዳን፥ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝክልኽልን ኣመንቲ እስልምና ዘይኾኑ ዜጋታት ድማ ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ ዘፍቕድ ሕጊ ምጽዳቓ ሚንስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ ።

እዚ ውሳነ’ዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣርብዓ ዓመታት ዝጸንሓ ንናጽነት ደቂ ኣንስትዮ ዝድርኽ ሕግታት ዝቕይር ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ ሉኣላዊነት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ካብ ሃገር ወጻኢ ምስ ደቐን ኣብ ዝገሻሉ እዋን ካብ ወዲ ተባዕታይ ቤተሰብ ፍቓድ ክህልወን ኣለዎ ንዝብል ሕጊ’ውን ቐይርዎ’ሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ነቲ ለውጢ “ንመስርሕ ፍትሒ’ታ ሃገር ኣብ ምልዋጥ ኣድላይ ስጉምቲ” ብምባል ንኢዶም ኣለው።

ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ በቲ ውሳነ ዝተሰምዐን ሓጎስ እንተገለጻ ልምድታት ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣብ ሕብረተሰብ’ታ ሃገር ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ይገልጻ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣሶሴይትድ ፕረስ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ንዘካየደ ዝኾነ አካል ናይ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝፍረድ እቲ ውሳን ምሕባሩ ይግለጽ ኣሎ።

ብተወሳኺ ካብ 1983 ጀሚሩ ዝኾነ ኣልኮላዊ መስተ ኣብታ ሃገር ክሽየጥ ወይ ክጥቐም ዝክልክል ሕጊ ክቐይር ተወሲኑ’ሎ: ኣመንቲ እስልምና ዘይኾነ ዜጋታት ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ ምፍቓዱ ተሓቢሩ’ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት 3 ሚእታዊት ካብ ዜጋታት ሱዳን ኣመንቲ እስልምና ኣይኮኑን።

XS
SM
MD
LG