ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝእግድ ሕጊ ኣጽዲቃ


ተሓለቅቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ሱዳን ዘጽደቀቶን ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝእግድን ሓድሽ ሕጊ ንኢደነኦ።

መንግስቲ ሱዳን ነቲ ብቀ/ሚ ዓብደላ ሃምዱክ ዝቀረበ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ደው ክብልን ፈጸምቱ ድማ ክሳብ 3 ዓመት ክእሰር’ዩ ዝብል ረቂቅ ሕጊ ተቀቢሉ ኣጽዲቝ’ሎ።

ጉጅለታት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ሕጊ ንኢደነኦ ኣለዋ። እንተኾነ ንገለ ሱዳናዊያን ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ምኹናን ከምዝኸብዶም ጠቂሰን ኣለዋ።

መንግስቲ ሱዳን ነቲ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ዑማር ኣልባሽር ዝተተግበረን ንኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ደረት ዘንብር ገለ ሕግታት ምቕያሩ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG