ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ምስ እስራኤል ዘለዋ ዝምድና ናብ ንቡር ምምላሱ ዝገልጽ ስምምዕ ፈሪማ


ሱዳን፣ ነቲ ‘ውዕል አብራሃም’ ተባሂሉ ዝተገለጸን ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክብ ናብ ንቡር ንክምለስ ዝጽውዕ ውዕል ብወግዒ ከምዝፈረመትሉ ተገሊጹ።

እቲ ታሪኻዊ ሰነድ፣ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ተጽሪ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ካርቱም ተረኺቦም ዝፈረሙ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ስቲቭን ሙይንችን ክኾኑ ከለው፣ ብወገን ሱዳን ድማ ሚኒስትር ፍትሒ ነስረዲን ዓብደልባሪ እዮም።

ሚኒስትር ፍትሒ ሱዳን ነስረዲን ዓብደልባሪ "እስራኤል ምስ ጎረባብታ ሃገራት ዓረብ ምቅርራባ ዘህጉስ እዩ፣ ሱዳን ድማ ነቲ ጽምዶ ኣብ ረብሓኣ ክተውዕሎ እያ" ኢሎም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ስቲቭን ምዩንችን ብወገኖም "ኣብ ካርቱም ምርካበይ ዓብዪ ክብሪ እዩ፣ እቲ ውዕል ንህዝቢታት ሱዳንን እስራኤልን ዝላዓለ ረብሓ ከርክበሎም’ዩ" ከምዝበሉ እቲ ዜና ሓቢሩ።

'ውዕል ኣብራሃም'፣ ኣሜሪካ ዝመወለቶን እስራኤል ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢማረት፣ ባህረይን ሎሚ ድማ ምስ ሱዳንን ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ናብ ንቡር ዝመለሰ እዩ።

XS
SM
MD
LG