ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ዶብ ከምትኸፍቶ ኣፍሊጣ


ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ተዓጽዩ ዝጸንሓ ዶብ ኤርትራ ከምዝኽፈት ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጦም።

ሱዳን ነቲ ዶብ ምዝውዋር ኣጽዋርን ሰባትን ደው ንምባል ብዝብል ኣብ ከሰላን ሰሜናዊ ኩርዱፋን ናይ ህጹጽ እዋን አዋጅ ኣብ ጥሪ 2018 ድሕሪ ምእዋጃ ምዕጻዋ ይፍለጥ።

“ሎሚ ካብ ከተማ ከሰላ ኮይነ ምስ ኤርትራ ዘሎ ዶብና ንኸፍቶ ከምዘለና ከበስረኩም እፈቱ። ምክንያቱ ኣሓትናን ኣሕዋትና እዮም ፖለቲካ ድማ ኣይክከፋፍለናን’ዩ” ክብሉ ፕረዚደንት ኣል በሽር ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ ደገፍቶም ተዛሪቦም።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ከሰላ ነዚ ኣብ ዘበሰረሉ ጊዜ ማሕበር ሰብሞያ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት’ታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክካየድ ጸዊዑ’ሎ።

ኣብ ታሕሳስ 19 ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ናህሪ ዋጋታትን ሕጽረት ቀረብን ብምቅዋም ዝጀመረ ሰልፊ ፕረዚደንት ኣል በሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ብምጥላብ ይቕጽል’ሎ። ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ቁጽሪ ኣብ እዋን ተቓውሞ ዝሞቱ 45 ምዃኑ ክገልጹ ከለው መንግስቲ ግን ቁጽሪ ዝሞቱ 30’ ዩ ይብል።

ፕረዚደንት ኣል በሽር ካብ ከተማ ከሰላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “መንግስቲ ወይ ፕረዚደንት ብዋትስኣፕ ወይ ፌስቡክ ዘይኮነ ብድምጺ ምርጫ’ዩ ዝቕየር” ድሕሪ ምባል “እዚ ኣብ ቕድሚ ህዝቢ ሱዳን ዝኣተናዩ ቃልና መብጽዓናን’ዩ እቲ ውሳነ ድማ መሰል ህዝቢ ሱዳን’ዩ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG