ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ምስ ሞት ሰልፈኛታት ብዝተሓሓዝ 7 ወታሃደራት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእትያ


ወሃቢ ቃል ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ኮነሬል ሸምስ ኢል ዲን ካባሺ ምስ ሞት ሰልፈኛታት ከተማ ኣል ኦቢድ ብዝተሓሓዝ ሸውዓተ አባላት’ቲ ብፍጡን ሓይሊ ዝፍለጥ ወታሃደራዊ ጉጅለ’ታ ሃገር ካብ መዝነቶም ብምእላይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ሓቢሩ።

ሌተናል ኮነሬል ሸምስ ኢል ዲን ካባሺ ብተወሳኺ ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ሰሜን ኩርዱፋንን ቤት ምኽሪ ጸጥታ’ቲ ክፍለ ግዝኣትን ኣርባዕተ ተማሃሮ ዝርከብዎም ብሶኑይ ዝሞቱ ሽዱሽተ ሰባት ተሓተቲ’ዮም ኢሎም።

ተቓወምቲ ጉጅለታት’ታ ሃገር እዚ ብፍጡን ሓይሊ ዝፍለጥ ወታሃደራዊ ሓይሊ ኣብ እዋን ተቓውሞ ዝሞቱ ሰልፈኛታት ተሓታቲ ምኳኑ ይገልጹ።

ምክትል ኣዛዚ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝኾኑን ላዕለዋይ ኣዛዚ’ዚ ፍጡን ሓይሊ ጀነራል መሃመድ ሓምዳን ዲያሎ እቲ ክስታት ኢዶም ከእትው ብዝደልዩ ወገናት ዝቐረበ’ዩ ክብሉ ይነጽጉ።

ዋና ተቓዋሚ ውድብ ሱዳን ሕብረት ሓይልታት ንናጽነትን ለውጢ ነቲ ስጉምቲ ብሓጎስ ብምቕባል ኣብ መጻኢ ከጋጥም ዝክእል ጎነጽ ኣብ ምክልካል ኣበርክቶ ክህልዎ’ዩ ኢሉ’ሎ።

ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲን ተቓውምቲን ዝካየድ ልዝብ ሎሚ ዓርቢ ኣማስይኡ ከምዝቕጽል መንጎኛ ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉዳይ ሱዳን መሃመድ ሓሰን ገሊጾም ኣለው።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG