ዋሽንግተን —
መንግስቲ ሱዳን ምስ ገለ ቀንዲ ተቓወምቲ'ታ ሃገር ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዋና ከተማ ጁባ ደቡብ ሱዳን ናይ ሰላም ስምምዕ ፈሪሙ።
ነቲ ስምምዕ ካብ ዝፈረሙ ኣርባዕተ ተቓወምቲ ጉጅለታት ዞባ ዳርፉር ክኾኑ ከለው ሓደ ጉጅለ ድማ ካብ ደቡባዊ ዞባ'ታ ሃገር ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።
ይኹን ደአ እምበር ቀንዲ ተቓዋሚ ጉጅለ ዞባ ዳርፉርን ደቡባዊ ዞባ'ታ ሃገርን ካብ መነባብርኦም ንዝተመዛበሉን መንግስቲ ንዝኣተዎ ቃል ፕሮጀክታት ምዕባለታት ዝወሃብ ገንዘብ ከይከፈለ ስምምዕ ከምዘይፈረሙ ሓቢሮም ኣለው።
መራሒ ተቓዋሚ ጉጅለ ምንቅስቃስ ንማዕርነትን ፍትሒን ዳርፉር ጂብሪል ኢብራሂም "እቲ ቀንዲ ጸገም ምትግባር እቲ ስምምዕን ንትግባረ'ቲ ስምምዕ ዝድልይ ገንዘብ ምርካብን'ዩ" ይብል።
ተመራመርቲ እዚ ስምምዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ ግን ገለ ክፍተት ከምዘለው ኣይሓብኡን።