ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ሓድሽ ኣዛዚ ስለያ መዚዛ


ሰበ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ክልተ መዓልታት ድሕሪ ዝፈሸለ ተቓውሞ ሓድሽ ኣዛዚ ስለያ ምምዛዙ ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ሱዳን በቲ ሶሉስ ኣብ መንጎ አባላት ጸጥታ ነበርን ሓይልታት መንግስቲን ዝተኻየደ ተቓውሞ ክልተ ወታሃደራት ምሟቶምን ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ምቁሳሎም ይሕብሩ።

እዚ ድሕሪ ምውዳቕ ዑመር ኣልበሽር ኣብ መንጎ አባላት ስለያ ነበርን ደገፍቲ መሰጋገሪ መንግስቲን ዘጋጠመ ዝዓበየ ምስሕሓብ እዩ።

ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ሓላፊ ሃገራዊ ስለያን ጸጥታ’ታ ታ ሃገር ጀነራል ኣቡባኬር ዱምብላል ንዘቕረብዎ ካብ መዝነቶም ናይ ምልቃቕ ሕቶ ከምዝተቐበሎ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ጀነራል ጀማል ዓብዱል ማጂድ ኣዛዚ ሃገራዊ ስለያን ጸጥታ’ታ ሃገር ኽከውን ምምዛዙ’ውን ጠቂሱ’ሎ።

XS
SM
MD
LG