ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን: ሓይልታት ጸጥታ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተኹሶም


ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ተሰለፍቲ ደገፍቲ ደሞክራሲ ዘንብዕ ጋዝ ምትኹሶም ኤ.ኤፍ.ፒን መሰኻኽርን ዓይኒን ገሊጾም።

ባንዴራታት ሱዳንን ስእልታት ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ዝተቐትሉ ተሓለቕቲን ዝሓዙ ሰልፈኛታት ኣብ ማእከላይ ካርቱም ናብ ዝርከብ ፕረዚደንታዊ ህንጻ ኣብ ዝጉዓዝሉ ዝነበሩ እዋን ሓይልታት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም።

ቅድሚ ዓመት ወተሃደራዊ መራሒ ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሓን ንመራሕቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታው ስልጣን ብምጭባጥ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ መሰጋገሪ ንድሕሪት ከምዝጎተቶ ይግለጽ።

ብመሰረት ደገፍቲ ደሞክራሲ፡ ካብኡ ጀሚሩ ጥራሕ 119 ሲቪላት ተሰለፍቲ ከምዝተቐትሉ ይንገር።ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ካርቱም ቀዳማይ ዓመት ምጭባጥ ስልጣን ንምዝካር ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ ውዒሉ።

ኣብ ካልኦት ከም ገዳርፍ፡ ፖርት ሱዳን፡ ኦምዱርማን ዝበላ ከተማታት ሱዳን`ውን እቲ ሰልፊ ከምዝተኻየደን ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተጠቕመን እቲ ዜና ይሕብር።

ምዕራባውያን መንግስታት ድማ ወሳኒ ዝኾነ ረድኤት ናብ ሱዳን ቅድሚ ምምላሱ፡ እታ ሃገር ናብ ደሞክራሲ ክትምለስ ኣለዋ በሃልቲ`ዮም።

XS
SM
MD
LG