ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፡ ህቡባት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ትዓጽው


ሰበ ስልጣን ሱዳን ንህቡባት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን’ታ ሃገር ምዕጻዎም ይግለጽ ኣሎ።

ሱዳን፡ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት መዓልታዊ ብህዝባዊ ተቓውሞታት ክትሕመስ ጸኒሓ’ላ፡ ሰበ ስልጣን ማሕበራዊ መራኸቢ ንምትእኽካብ ሰልፈኛታትን ምዝርጋሕ ሓበሬታን የገልግሉ ኣለው ብምባል ምዕጻዎም ተሓቢሩ’ሎ።

ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ እንተጠቕመ እኳ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ግን ኣብ ጽንብል ዝኽሪ መበል 63 ዓመት ነጻነት’ታ ሃገር ዘስምዕዎ መደረ ህዝቢ ክሃድእ ጸዊዖም ኣለው።

ሰልፈኛታት መንግስታዊ ህንጻታት ብምንዳድን ካብ 1989 ጀሚሩ ኣብ መዝነት ንዝርኸቡ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ክወርዱ ብምጥላብ ተቓውሞኦም ቀጺሎም ኣለው።

ኣብ ገለ ግዝኣታት‘ታ ሃገር ውን ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ተአዊጁ’ሎ።

ሱዳን፡ ህቡባት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ትዓጽው
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:28 0:00

ኣብ 2013 ኣብ ዘጋጠመ ተቓውሞ ሰበ ስልጣን ምሉእ ንምሉእ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብታ ሃገር ዓጽዮም እንተነበሩ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ንከም ፌስቡክ፡ ትዊተርን ዋትስ ኣፕ ዝኣመሰሉ ህቡባት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ጥራይ’ዮም ዓጽዮም።

ይኹን ደአ እምበር ተማጎቲ መሰላት ተቓውሞታት ንምድላው ናይ ብሕቲ ኔት ዎርክ (VPN) ይጥቐሙ ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ።

ዘይመንግስታዊ ትካላትን ንዲጂታል መሰላት ዝሕለቑ ወገናት ነቲ ስጉምቲ መንግስቲ ሱዳን ብትሪ ይነቕፉ ኣለው።

XS
SM
MD
LG