ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳናዊያን ንስምምዕ ቀ/ሚ ሓምዶኽን ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ'ታ ሃገር ብምቅዋም ዘካይድዎ ሰልፊ ሎሚ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ


ኣብ መንጎ ቀ ሚ ሓምዶኽን ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳን ዝተኻየደ ስምምዕ
ኣብ መንጎ ቀ ሚ ሓምዶኽን ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳን ዝተኻየደ ስምምዕ

ደገፍቲ ዲሞክራሲ ሱዳን ነቲ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ወታሃደራዊ መራሒ ጀነራል ኣል ቡርሃንን ዝተገብረ ስምምዕ ብምቅዋም ሎሚ ሎሚ ረቡዕ ናብ ጎደናታት'ታ ሃገር ብምውጻእ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም ።

እቲ 21 ሕዳር ዝተገብረ ስምምዕ ንሓምዶክ ናብ ስልጣን እንደገና ዝመልስን ካብ ሓይልታት ንነጻነትን ለውጥን ዝሓወሰ ካቢነ ክምስረትን ዝብል ይርከቦ እንተኾነ ገለ ወገናትነዚ ስምምዕ ነቲ ናይ 25 ጥቅምቲ ወታሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ሕጋውነት ዘልብስ'ዩ ክብሉ ይገልጽዎ።

ኣብ ካርቱም ዝርከብ ጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ቃለ መጠይቅ እቶም ሰልፈኛታት እቲ ስምምዕ ከምዘይውክሎምን ኣብ ሱዳን ሰለማዊ ስግግ ር ክህሉን ዝሕግዝ ኣይኮነን: ሓምዶክ ነቲ ናብዚ ስልጣን ዘብቅዖ ፖለቲካዊ ሓይሊ ስለ ዝጠለመ ሰልጣኑ ይሕደግ ብምባል ምስቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ዝኾነ ፖፖለቲካዊ ርክብ ክህልዎም ከምዘይደልዩን ነቶም ድሕሪቲ ናይ 25 ጥቅምቲ ኣብ እዋን ተቃውሞ ስልፊ ዝተቀትሉ ፍትሒ ክግበርን ጸዊዖም ክብል ገሊጹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG