ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳናዊያን ንሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ኣሕልፊካ ምሃብ ዝብል ውሳነ ብምቕዋምን ብምድጋፍን ሰልፊ አካይዶም


ሱዳናዊያን ንሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ኣሕልፊካ ምሃብ ዝብል ውሳነ ብምቕዋምን ብምድጋፍን ሰልፊ አካይዶም

መንግስቲ ሱዳን ንፕረዚደንት’ታ ሃገር ነበር ዑመር ኣልበሽርን ካልኦት ሰለስተ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ነበር ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣሕሊፉ ከምዝህብ ኣፍሊጡ’ሎ።

እዚ ውሳነ ዝተፈልጠ ኣብ መንጎ ልኡኻት መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ዳርፉርን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተኻየደ ልዝብ’ዩ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ብክስታት ናይ ኹናት ገበን፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነትን ምጽናት ዓሌትን ብዓለምለኸቤት ፍርዲ ገበን ክድለዩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ዓቐብቲ ሕጊ ሱዳን ደገፍቲ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ 2003 ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝተላዕለ ተቓውሞ ንምጽቓጥ ዓሌት ናይ ምጽናት ተግባር ፈጺሞም’ዮም ይብሉ።

መንግስቲ ሱዳን ንሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣሕሊፎም ከምዝህቡ ትማሊ ሶሉስ ድሕሪ ምፍላጦም ነቲ ውሳነ ዝድግፉን ዝቓወሙን ሱዳናዊያን ናብ ጎደናታት ከተማ ካርቱም ብምውጻእ ስምዒቶም ገሊጾም እዮም።

ሓንቲ ካብ ሰልፈኛታት ሪም“ሰላም ኢና ንደልይ።ብኹሉ መዳይ ኣብዛ ሃገር ሰላም ኢና ንደልይ።እቶም ምንቅስቃሳት ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣሕሊፎም ክወሃቡ እንተተሰማሚዖም ጸገም ዝፈጥር ኣይመስለኒን ምክንያቱ ንዕኦም ኣልበሽር ናይ ኹናት ገበነኛ’ዩ።”

ካልእ መዋፊቕ ኦትማን ዝተባህለ ሱዳናዊ ብወገኑ እቶም ፕረዚደንት ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣሕሊፎም ክወሃቡ ኣይግባእን ምክንያቱ እዚ ኣብ መስርሕ ፍትሒ ሱዳን ክፍተት ከምዘሎ ዘርእይ’ዩ ይብሉ። ሱዳናዊ ክሳብ ዝኾኑ ኣብ ሱዳን ብመስርሕ ፍትሒ ሱዳን ክፍረዱ ኣለዎም ትብል።

ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒሚያዝያ ካብ መዝነቶም ካብ ዝእለዩ ንደሓር መብዛሕትኦም ግዳያት ዝነብረ ስርዓት ዝእሰርሉ ዝነብረ ኮበር ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ኣብ ማእሰርቲ ከምዘለው ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG