ኣብ ሱዳን ስቪላዊ ስርዓት ንምትካል ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሰልፈኛታትን ስልጣን ዝጨበጠ ወታደራዊ ሓይልን ዝካየድ ዝርርብ ብዙሕ ምዕባለ ኣብዘየርእየሉ ዘሎ ሓደ ጉጅለ ተቓውሞ ነቲ መስርሕ ንምድፋእ ስነ ጥበብ ከም መሳርሒ ተጠቒሙሉ’ሎ። እቲ ጉጅለ ስነ ጥበባዊያን ይካየድ ናይ ዘሎ ለውጥን ታሪኽን ዘዘንትው ቕብኣ ኣብ ሰለስተ ኪ.ሜ ንውሓት ዘለዎ ጨርቂ ንምርኢት የዳልው ኣሎ።
ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስኣልቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ገፊሕን ነዊሕን ጨርቂ ተንበርኪኾም ቕብኣ ከዳልው ይርኣዩ።
እቶም ሰኣልቲ ምስልታትን ቕብኣን ኣፅዋራት፣ወታደራትን ሃገራዊ ባንዴራ ሱዳናዊያንን ይቐብኡ።ገሊኦም ኣብቲ እዋን ተቓውሞ ንዝነበረ ስምዒት ዘንፀባርቕ እዮም። ሓደ ካብቶም ስነ ጥበባዊያን ዝኾነ ወዲ 40 ዓመት ስነ ጥበባዊ መሓመድ ኣሽራፍ ካብቶም ቐባእቲ ሓደ እዩ።
ኣሽራፍ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ፣ሕፅረት መግብን ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገርን ኣሽሓት ሱዳናዊያን ተቓውሞ ምክያድ ካብ ዝጀመርሉ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ካብ ጎደናታት ማእከል ዋና ከተማ ካርቱም ኣይተፈለየን።
እቶም ተቓወምቲ ሰራዊት እታ ሃገር ንፕረዚደንት ዑማር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኖም ከልዕሉዎም ድርኺት ገይሮም፤ሕዚ ድማ ስቪላዊ ስርዓት ክጣየስ ደፍኢቶም ቀፂሎም ኣለው።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስነ ጥበባዊያን ኣብ ሱዳን ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ለውጥን ዝሓለፈ ዓፈናን ዘርእይ ባነር ወይ ጨርቂ ብሞያኦም ንምንጽብራቕ ክሰርሑ ጸኒሖም’ዮም። ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ንምዝዛም እንተመደቡ’ዃ እቲ ናይ ስቪል ስርዓት እንተድኣ ዘይተተኺሉ ናብ ዋና ቤት ጽሕፈት ወታደራዊ ሓይሊ ክንወስዶ ኢና ይብሉ ኣለው።
ሱዳን ቅድሚ ሎሚ ወታደራዊ ሓይሊ ኣብ ቁፅፅር ዘውዓሎም ንዲሞክራሲ ዝተኻየዱ ህዝባዊ ዓመጻት ኣተኣናጊዳ እያ።እዚ ናይ ሎሚ ግን ሓቀኛ ለውጢ እዩ ክብል ኣሽራፍ ይገልጽ።
“ድሕሪ 30 ዓመታት ዝኾነ ይኹን ለውጢ፣ለውጢ እዩ።እቲ ዝሓለፈ ግዜ ንዓና ኣዚዩ ከቢድ ነይሩ።እዚ ሕጂ ረኺብናዮ ዘለና ንእሽተይ ዲሞክራሲ ሓቀኛ ነፃነት ንምስጓም ሓይሊ ሂቡና እዩ።”