ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳናዊያን ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምለስ ዝጠልብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ የካይዱ


ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናዊያን ሰልፈኛታት ስቪላዊ መንግስቲ ክምለስ ንምሕታትን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ንምኹናንን ትማሊ ሓሙስ ናብ ጎደናታት ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ብምውፃእ ድምፆም ኣስሚዖም።

እቲ ሰልፊ ዝተኻየደ ካብ ስልጣኖም ዝተልዓሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ካብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ክፍትሑን ናብ መሪሕነት መንግስቲ ክምለሱን ምስ ወታሃደራዊ መራሕቲ'ታ ሃገር ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሞም እዩ።

እዚ ስምምዕ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምኽያዱ ሓደ ወርሒ ዝተበጽሓ ዓብይ ስምምዕ እዩ።

ሱዳናዊያን ጉጅለታት ደገፍቲ ዴሞክራሲን ፖለቲካዊ ፓርትታትን ግን እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ስቪላዊ ምምሕዳር ክጣየስ ካብ ዝቕረቡዎ ሕቶ ዝተሓተ እዩ ይብሉ።

Recommended

XS
SM
MD
LG