ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳናዊያን ሲቪላዊ መሪሕነት ክጣየስ ዝጠልብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ትማሊ ሓሙስ አካይዶም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሱዳን ዝተፈፀመ ዕልዋ መንግስቲ ንምቅዋም መብዛሕቲኦም መናእሰይ ዝኾኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናዊያን ትማሊ ሓሙስ ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ብወታሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ዝዓተረ መሪሕነት'ታ ሃገር ስልጣኑ ከብቅዕ ፀዊዖም ኣለው።ፖለቲካዊ ናይ ማሕበረሰብ ኣንቃሒ \ኣክቲቪስት\ ጃዕፋር ኻዲር ህዝቢ ሱዳን ኣብ ካርቱም፣ሰሜን፣ጃዚራን ምብራቕ ዳርፉርን ብዘይምቁራፅ ለውጢ ኣብ ምሕታት ይርከብ ኢሉ።

ናይ ሱዳን ባንዴራን ምልክታትን ከምኡ እውን ቅድም ክብል ምስ ፖሊስ ብዝተፈጥረ ግጭት ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ምስሊ ብምሓዝን ኣንፃር እቲ መፈንቅለ መንግስቲ ጭርሖታት ብምስማዕን እቶም ተቓወምቲ ናብ ዴሞክራሲ ዘምርሕ ናይ ስቪል መንግስቲ ክጣየስ ሓቲቶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG