ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱሉሳዊ ልዝብ ሰብ ሞያ ቴክኒክ ኣብ ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሴ ዳግማይ ምጅማሩ ተሓቢሩ


ኣብ ዙሪያ ኣመላልኣ ማይ ዓብይ ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ተቋሪፁ ዝነበረ ልዝብ ሰብ ሞያ ቴክኒክ ሰለስተ ሃገራት ዳግም ተጀሚሩ። ትኹረት ናይቲ ልዝብ ኣብ ስምምዕ ዘይተበፀሑ ነጥብታት ከምዝኸውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ናይቶም ሰብ ሞያ ልዝብ ኣብ ኣመላልኣ ናይቲ ግድብ እዩ ኢሎም ኣለው።ትማሊ ዝጀመረ ልዝብ ሎምን ፅባሕን እውን ከምዝቕፅል ብምሕባር እቶም ክኢላታት ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዘይተረዳድኡሎም ነጥብታት ብምትዃር ልዝቦም ዛዚሞም ኣብ መወዳእታ ናብ ሚንስተራት ክሓልፍ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ልዝብ ኣሜሪካ ሓዊሱ ካልኦት ኣካላት እውን ብተዓዛቢነት ይሳተፉ ከምዘለውን ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ናይ ምዕዛብ ጊደ እናተለጠጠ ናይ ምርድዳእን ናይ ምቅርራብን ክኸውን ከምዝኽእል እውን ኣምባሳደር ዲና ሓቢሮም ።

XS
SM
MD
LG