ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰ. ኮርያ ንወሽመጥ ኮርያ ካብ ኑክልየር ነጻ ንምግባር ከምትሰርሕ ዝገልጽ ሰነድ ፈሪማ


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሰሜን ኮሪያ ኑክሌራዊ ኣፅዋራ ብቕልጡፍ ደው ንምባል ድልውቲ እያ ኢሎም።ንሶም ነዚ ዝገለፁ ምስ መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኣብ ሲንጋፖር ድሕሪ ምርኻቦም እዩ።መራሕቲ ዓለም ነቲ ርክብ ናእድኦም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

ታሪኻዊ ምጭብባጥ ኢድ ፕረ.ዶናልድ ትራምፕን ኪሚ ጆንግ ኡንን ካብ ናይ ኢድ ሰላምታ ንላዕሊ ክንደይ ሰጒሞም ንፁር ኣይኮነን።

ብኽልቲኦም መራሕቲ ዝተፈረመ ሰነድ ከምዝገለፆ ግን ሰሜን ኮሪያ ‘’ወሽመጥ ኮሪያ ካብ ኒክልየር ነፃ ክኸውን ክትሰርሕ’’ ድልውነታ ተረጋግፅ ይብል።

“ኣዚዩ ቕልጡፍ ብዝኾነ መስርሕ ንጅምሮ ኣለና።ብሓቂ ኣዚዩ፣ኣዚዩ ቕልጡፍ።”

ፕረ. ትራምፕ ዘይተነፀረ ናይ ፀጥታ መረጋገፂ ሂቦም ኣለው።ክልቲኦም መራሕቲ ሓድሽ ምዕራፍ ርክባት ኣሜሪካን ሰሜን ኮሪያን ንምጅማር ቃል ኣትዮም።ትራምፕ ተስፋ ገይሮም ኣለው።

“ምስ ኣቦ ወንበር ኪም ዝነበረኒ ርክብ ቅኑዕ፣ቀጥታን ውፅኢታውን ነይሩ።ኣብዚ ኣዚዩ ሓፂር ግዜ ኣፅቢቕና ተላሊና ኣለና።”

ኣሜሪካ ምስ ደቡብ ኮሪያ ብሓባር እተካይዶ ወታደራዊ ልምምድ ደው ከም እተብሎ ፕረ.ትራምፕ ገሊፆም።ክባር፣ተንኳሳይን ዘይግብኡን እዩ ክብሉ ብምግላፅ ብዙሕ ገንዘብ እውን ክነድሕን ኢና ኢሎም።

ፕረ. ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዝነበረኒ ፃንሒት ኣስተማቒረዮ ኣለኹ ኢሎም።

“ናይ ብሓቂ ዓብዪ ስብእና ኣለዎ።ተፃዋታይ፣ኣዚዩ በሊሕን ብርቱዕ ተደራዳራይን ፈታዊ ህዝቡን እዩ።ከም መጀመሪ ዘደንቕ ስምምዕ ገይርና ኣለና።ሰሜን ኮሪያ ካብ ኒክልየር ነፃ ክንገብራ ኢና።”

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘልዓሉሎም ፕረ. ትራምፕ ገሊፆም።ብዙሕ ትፅቢት ዝግበር ብዛዕባ እቲ ልዝብ ብዙሕ ካብ ዘይተዛረቡ ኪም እዩ።ከምዚ ግን ኢሎም ነይሮም።

“ንቕድሚት ከይንጉዓዝ ኣብ መንገድና ዕንቅፋት ኮይኑ ዝፀንሐ ዝኣረጉ ምፅልላእን ተግባራቶምን እዩ ነይሩ።ነዚኦም ስዒርና ሎማዕንቲ ኣብዚ በፂሕና ኣለና።”

መራሕቲ ሃገራት ኤስያን ካልኦትን ነዚ ሓድሽ ምዕባለ ተስፍኦም ይገልፁ ኣለው።ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሮም ንርክብ ፕረ.ትራምፕን ኪምን መንገዲ ዝኸፈቱ ናይ ደቡብ ኮሪያ ፕረዚደንት ሙን ጃኢን ብወሃቢ ቃሎም ኣቢሎም ከምዚ ኢሎም።

“ስለ ትብዓቶምን ደፋር ውሳንኦምን ንፕረዝደንት ትራምፕን ኣቦ መንበር ኪም ጆንግ ኡንን ዝለዓለ ኣድናቖተይ የቕርብ ኣለኹ።”

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ዋንግ ዪ ኣብ ቤጂንግ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ቻይና ንኣገዳስነት ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ትርዳእ እያ ኢሎም።

“ሎሚ ሶሉስ ላዕለዎት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ኮፍ ኢሎም ብማዕረ ክዘራረቡ ምኽኣሎም ኣገዳስን ኣወንታውን ትርጉም ኣለዎ፤ሓድሽ ታሪኽ እውን ፈጢሩ’ሎ።ቻይና ነዚ ትድግፎ እያ፤ንደልዮን ንጽዕረሉን ዝፀናሕና ስለዝኾነ።ክልቲኦም መራሕቲ እቲ ወሽመጥ ካብ ኒክልየር ነፃ ክኸውንን ናይ መስርሕ ፀጥታ ክፈጥሩን ተስፋ ንገብር።”

ቀዳማይ ሚንስትር ጃፓን ሺንዞ ኣበ ብወገኖም ብኽልቲኦም መራሕቲ ዝተፈረመ ስምምዓት ከምዝድግፉ ካብ ቶኪዮ ገሊፆም።

ምኽትል ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ሩሲያ ሰርገይ ሪያብኮቭ ንኣገልግሎት ዜና ታስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሃገሮም እቲ ስምምዕ ንምትግባር ንምሕጋዝ ቅርብቲ እያ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG