ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰ.ኮርያ መፈተነኒን መወንጨፊን ሚሳይል ትሃንጽ ከምዘላ ተገሊጹ


ሰሜን ኮሪያ ሓደ ቀንዲ መፈተኒን መወንጨፍን ሚሳይል ትሃንፅ ከምዘላ ካብ ደቡብ ኮሪያን ክልተ ናይ ኣሜሪካ ናይ ውልቂ ማእኸል ምርምርን ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊፁ።

ናይ ደቡብ ኮሪያ ኣገልግሎት ዜና ዮንሃፕ ሎሚ ረቡዕ ከምዝገለፆ እታ ሃገር ኣብ ማእኸል መወንጨፊ ሳተላይት ሶሃይ እቲ መሳርሒ ትሃንፅ ከምዘላ ሰበስልጣን ስለያ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዕፁው ኣኼባ ገሊፆምሎም ኣለው ይብል።

ኣብ ዋሽንግተን ዝመደብሩ ማእኸል ስትራተጂያዊን ዓለምለኻውን መፅናዕትታት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ፀብፃብ ፒዮንግያንግ ‘’ቕልጡፍ ህንፀት’’ ተካይድ ከምዘላ ካብ ሳተላይት ንዝረኸቦ ስእሊ ብምግላፅ ሓቢሩ።

ሰሜን ኮሪያ ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ርክብ መራሒ ኪም ጆንግ ኡንን ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕን ንማእኸል መወንጨፊ ሶሃይ ከተፍርሶ ጀሚራ ነይራ።

XS
SM
MD
LG