ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰኣላይ ሮይተርስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተአሰረ ምስ ሞያኡ ብዘይተሓሓዝ ገበን ተጠርጢሩ ምዃኑ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ሰኣላይ ኮይኑ ዝሰርሕ ኩመራ ገመቹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፈደራል ፖሊስ ዝተታሕዘ ምስ ሞይኡ ብዘይተሓሓዝ ገበን ተጠርጢሩ ምዃኑ ፈደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቲ ንሮይተርስ ዝሰርሕ ኢትዮጵያዊ በዓል ሞያ ካመራ፥ ንድሕሪ ክልተ ሰሙን ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ`ውን ተሓቢሩ`ሎ።

ኣብ በዓልስልጣን ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ ምኽትል ዳይሬክተር ኣቶ ወንድወሰን ኣንዱኣለም ብዛዕብኡ ተሓቲቱ ክገልጽ ከሎ ፥ ንማእሰርቲ `ቲ ጋዜጠኛ ብዝምልከት ምስ ፖሊስ ከምዝተዘራረቡን ጉዳዩ ምስ ሞያ ጋዜጠኝነት ዝተተሓሓዘ ከምዘይኮነን ኣፍሊጡ።

እቲ ጋዜጠኛ ሕጂ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ተኣሲሩ ከምዝርከብን ምስ ካልኦት እሱራት ክሕወስ ከምዝደሊን ኣቶ ወንድወሰን ወሲኹ ገሊጹ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሰራሕተኝኡ ክፋታሓሉ ክጽውዕ ጸኒሑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG