ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰኔት ኣሜሪካ ናይ ፌደራል መንግስቲ ናይ ምልቃሕ ደረት ክብ ብምባል ኣጽዲቑዎ


.
.

ሰኔት ኣሜሪካ ናይ ፌደራል መንግስቲ ናይ ምልቃሕ ደረት ብ2.5 ትሪሊዮን ዶላር ክብ ብምባል ኣስታት 31.4 ትሪሊዮን ዶላር ክኸውን ኣፅዲቑ።ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናይ ምኽፋል ሓላፍነት ናይ ዘይምውፃእ ሓደጋ ንምውጋድ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ልኢኹዎ።

ኣብ መንጎ ዴሞክራትን ሪፓብሊካዊያንን ንሓደ ወርሒ ድሕሪ ዝፀንሐ ደውታ ብ50፡ብ49 ብዝኾነ ድምፂ ኣሕሊፎምዎ ኣለው።

ብዴሞክራት ዝምራሕ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቅድሚ ንፊርማ ናብ ፕረዚደንት ባይደን ምልኣኹ ከፅድቖ ኣለዎ።ሚኒስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ጃኔት የለን ኮንግረስ ቅድሚ ረቡዕ ነቲ ናይ ዕዳ ገደብ ከልዕሎ ኣተሓሳሲበን።

XS
SM
MD
LG