ዋሽንግተን —
ሴነት ኣመሪካ፣ ነቲ ንዩክሬን ክዋሃብ ዝተወጠነ 40 ቢልዮን ዶላር ደገፍ ብድምጺ ድሕሪ ምሕላፉ፣ ናብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንፊርማ ከምዝቀርብን ሕጊ’ዛ ሃገር ክኸውን እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ከምዝግበርን ተፈሊጡ።
እንተኾነ ካብ ገለ ሪፐብሊካዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ሓያል ተቃውሞ ከምዝሳዓበን፣ ዝውቱር ከምዘይኮነን ዝመጸ ዜና ጠቂሱ።
እዚ ምዕባለ’ዚ ይኽሰት ዘሎ፣ መራሒ ሪፐብሊካዊያን ሴነተራት ሚች ሚኮነል ንጉጅለ ሴነተራት መሪሖም ኣብ ዩክሬን መገሻ ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን እዩ።
ኣብቲ መስርሕ ምድማጽ 11 ኣባላት ዝተቓወሞ ክኾኑ ከለው ኩሎም ሪፐብሊካዊያን እዮም።