ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነት ኣሜሪካ ንሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ ኣብ ሕ/ሃ ቀዋሚት ወኪል ክኾና ኣጽዲቑለን


ሰነት ኣሜሪካ ንሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚት ወኪል ክኾና ኣጽዲቑለን። ገለ ወገናት ንሰን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ከም ቻይና ብዝበላ ሃገራት ክፍተና`የን ይብሉ።

እቲ ኣብ ሰነት ኣሜሪካ ዝተገብረ ምጽዳቕ ገለ ሪፓብሊካውያን ስለዝተቓወምዋ ክደናጒ`ዩ ጸኒሑ። ትማሊ ሰሉስ ግን ንቶማስ ግሪን ፊልድ ነቶም ደሞክራት ልዕሊ 20 ሪፓብሊካውያን ምስተጸንበርዎም እቲ ሽመት ጸዲቑላ`ሎ ።

ኣብቲ ኣብ ባይቶ ዝነበረ ቃለ-ምስክርነት ምጽዳቕ ሽመት፡ ቶማስ ግሪን ፊልድ ብገለ ሰነተራት ዝቕርባ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ኮሚኒስት ቻይና ክትልስልስ`ያ ዝብል ሕቶታት ከምዚ ክትብል መሊሳ ኔራ፡ " ቻይና ብፍላይ ኣብ ዙርያ መድረኻት ሕቡራት ሃገራት፡ ናይ ምልኪ ኣጀንዳ ክተሰጉም ከም ትሰርሕ ንፈልጥ ኢና። እዚ ድማ ንኽብርታት ኣሜሪካ​ ዝጻባእ`ዩ። ናቶም ዓወት ኣብ ናትና ምንስሓብ`ዩ ዝምርኮስ። እዚ ግን ኣብ ቅድመይ ኣይክኸውንን`ዩ። "

ነዚ ስምዒት`ዚ ዘቃልሐ ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይስ ብወገኑ ትማሊ ሰሉስ ክዛረብ ከሎ፡ ክብርታት ኣሜሪካ፡ መሻርኽቲ ኣሜሪካን መሓዙትናን- ኣብቲ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ኣንጻር ቻይና ንገብሮ ቃልሲ ምንጪ ሓይልና`ዮም ኢሉ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኮይና ተመዲባ ዘላ ሊንዳ ቶማስ ግሪን፡ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ናይ 35 ዓመታት ልምዲ ስራሕ ዘለዋ`ያ- ኣብ ምምሕዳራት ደሞክራትን ሪፓብሊካንን`ውን ሰሪሓ`ያ።ቶማስ ግሪን ፊልድ ኣብ ላይበርያ ኣብ ኬንያን ናይጀርያን ከም ኣምባሳደርን ዝተፈላለዩ ሓላፍነትን ሰሪሓ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG