ሰነት ኣሜሪካ ንሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚት ወኪል ክኾና ኣጽዲቑለን። ገለ ወገናት ንሰን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ከም ቻይና ብዝበላ ሃገራት ክፍተና`የን ይብሉ።
እቲ ኣብ ሰነት ኣሜሪካ ዝተገብረ ምጽዳቕ ገለ ሪፓብሊካውያን ስለዝተቓወምዋ ክደናጒ`ዩ ጸኒሑ። ትማሊ ሰሉስ ግን ንቶማስ ግሪን ፊልድ ነቶም ደሞክራት ልዕሊ 20 ሪፓብሊካውያን ምስተጸንበርዎም እቲ ሽመት ጸዲቑላ`ሎ ።
ኣብቲ ኣብ ባይቶ ዝነበረ ቃለ-ምስክርነት ምጽዳቕ ሽመት፡ ቶማስ ግሪን ፊልድ ብገለ ሰነተራት ዝቕርባ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ኮሚኒስት ቻይና ክትልስልስ`ያ ዝብል ሕቶታት ከምዚ ክትብል መሊሳ ኔራ፡ " ቻይና ብፍላይ ኣብ ዙርያ መድረኻት ሕቡራት ሃገራት፡ ናይ ምልኪ ኣጀንዳ ክተሰጉም ከም ትሰርሕ ንፈልጥ ኢና። እዚ ድማ ንኽብርታት ኣሜሪካ ዝጻባእ`ዩ። ናቶም ዓወት ኣብ ናትና ምንስሓብ`ዩ ዝምርኮስ። እዚ ግን ኣብ ቅድመይ ኣይክኸውንን`ዩ። "
ነዚ ስምዒት`ዚ ዘቃልሐ ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይስ ብወገኑ ትማሊ ሰሉስ ክዛረብ ከሎ፡ ክብርታት ኣሜሪካ፡ መሻርኽቲ ኣሜሪካን መሓዙትናን- ኣብቲ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ኣንጻር ቻይና ንገብሮ ቃልሲ ምንጪ ሓይልና`ዮም ኢሉ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኮይና ተመዲባ ዘላ ሊንዳ ቶማስ ግሪን፡ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ናይ 35 ዓመታት ልምዲ ስራሕ ዘለዋ`ያ- ኣብ ምምሕዳራት ደሞክራትን ሪፓብሊካንን`ውን ሰሪሓ`ያ።ቶማስ ግሪን ፊልድ ኣብ ላይበርያ ኣብ ኬንያን ናይጀርያን ከም ኣምባሳደርን ዝተፈላለዩ ሓላፍነትን ሰሪሓ ።