ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነት ኣመሪካ ንሰብኣዊን ወታሃደራዊን ሓገዝ ዩክሬን ዝውዕል 40 ቢሊዮን ዶላር ኣፅዲቑ


ሰነት ኣመሪካ
ሰነት ኣመሪካ

ሰነት ኣመሪካ ንሰብኣዊን ወታሃደራዊን ሓገዝ ዩክሬን ዝውዕል 40 ቢሊዮን ዶላር ትማሊ ሓሙስ ኣፅዲቑ።ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብቕልጡፍ ፊርምኦም ከንብርሉ ትፅቢት ይግበር። እዚ ሓዱሽ ግዙፍ ፓኬጅ ብዘይሻራዊ ድምፂ 86 ብ11 ድምፂ እዩ ፀዲቑ።

ኣብ መጀመሪያ እዚ ዓመት'ዚ ዝጸደቐ ኣስታት 14 ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ወታሃደራዊን ሰብኣውን ሓገዝ ኣጋ ምፅንቃቑ እዩ።

ኣብ ሰኔት መራሒ ዝበዝሓ ድምጺ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ቻክ ሹመር ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩክሬን መጥቓዕቶም ኣሐይሎም ኣብ ዝቐፀልሉ ፣ ንስቪላዊ ሆስፒታላት ዒላማ ኣብ ዝገበርሉን ህፃናትን ንፁሃን ሰባትን ኣብ ዝቕትልሉን ተሓቢእና ክንሓልፎ ኣየዋፅእን ኢሎም።

እቲ ሓገዝ ፊርማ ፕረዚደንት ባይደን ምስ ምስ ተነብሮ ሽዑ ንሽዑ ክልቀቕ ትፅቢት ይግበር።ሩሲያ ንዩክሬን ኣብ ወርሒ የካቲት ካብ እትወራ ጀሚሩ ኣመሪካ ኣስታት 54 ቢሊዮን ዶላር ረድኤት ንዩክሬን ለጊሳ ኣላ።

XS
SM
MD
LG