ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነት ኣመሪካ ንመንግስታዊ ስርሓትን ንህጹጽ ሓገዝ ዩክሬን ዝውዕል 1.5 ትሪልዮን ዶላር ባጀት ኣጽዲቑ


ባንዴራታት ኣመሪካን ዩክሬን ኣብ ጎደና ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ
ባንዴራታት ኣመሪካን ዩክሬን ኣብ ጎደና ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ

ሰኔት ኣመሪካ ንስራሕ መንግስቲ ዘገልግል ባጀትን ንናይ ዩክሬን ህፁፅ ሓገዝ ዝውዕልን 1.5 ትሪልየን ዶላር ባጀት ትማሊ ሓሙስ ኣፅዲቑ።

እቲ ሰኔት ብዘይሻራዊ 68 ብ31 ብዝኾነ ድምፂ ንህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 13.6 ቢሊዮን ዶላር ኣፅዲቑ ኣሎ።ብሰንኪ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈፀመቶ ወራር ድሮ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም: ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሃዲሞም ኣለው።

መራሒ ሰኔት ቻክ ሹመር ቅድሚ እቲ ድምጺ ምሃብ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ህዝቢ ዩክሬን ኣንፃር ናይ ሩሲያ ፕረዚደንት ቪላድሚር ፑቲን ዘካይድዎ ግጥም በይኖም ከምዘይኮኑ ኣመሪካ ቃል ኣትያትሎም እያ ኢሎም።

እቲ ዝፀደቐ በጀት መንግስቲ ኣመሪካ ክሳብ መስከረም ስርሑ ክሰርሕ ዘኽእል'ውን እዩ።

XS
SM
MD
LG