ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነት ኣመሪካ ንሕጊ ምንጻል ጥንሲ ዘውሕሰሉ መገዲ የናዲ


ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣከራኻሪ ዛዕባ ኰይኑ ዘሎ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ክልውጦ ኣብ ዝዘራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ሰነት ድማ ነቲ ዝነበረ ሕጊ ቀዋሚ ዝገብረሉ መገዲ የናዲ ኣሎ። መራሒ ዝበዝሓ ድምጺ ሰነት ቻክ ሹመር ነቲ ክትዕ ናብ ምርጫ ሰነት ሎሚ ረቡዕ ከውርዶ መዲቡ ኣሎ። ሰነት ነቲ ዝጸንሐ ሕጊ ምስ ዝድግፎ ብጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣይክልወጦን’ዩ።

ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ነቲ ብሮ ኣንጻር ዋደ ተሰምዩ ኣብ 1973 ዝሓለፈ ሕጊ ክልውጦ መደብ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምልሓዅ ንመዓልታት ዝቐጸለ ሰለማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ። ድሮ 13 ክፍለ-ሃገራት ንምንጻል ጥንሲ ኣዝዩ ዘድንዕ ሕጊ የሕሊፈን ኣለዋ። ካልኦት’ውን ኣሰረን ከይስዕባ ስግኣት ኣሎ።

XS
SM
MD
LG