ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነት ኣመሪካ ንለውጢ ክሊማን ግብሪን ዝምልከት ሕጊ ኣሕሊፉ


ኣብ ሰነት መራሒ ዓብላሊ ሰልፊ ዲሞክራት ሻክ ሹመር
ኣብ ሰነት መራሒ ዓብላሊ ሰልፊ ዲሞክራት ሻክ ሹመር

ሰነት ኣመሪካ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምንካይ፣ዋጋ መድሃኒታት ንምጉዳልን ናይ መጠን ግብሪ ገለ ኮርፐሬት ትካላት ክብ ብምባልን ዘኽእል ሕጊ ትማሊ ሰንበት ብዓብላሊ ድምፂ ኣሕሊፉ።

ሰኔተራት ነቲ ሕጊ ምንካይ ዝቕባበ(Inflation Reduction Act) ብዝብል ዝፍለጥ ሕጊ ሓምሳ ብሓምሳ ብዝኾነ ማዕረ ድምፂ ምሃቦም ነቲ ድምጺ ንምፍላይ ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ደገፍ ድምፀን ሂበን።

ኣብ ሰነት መራሒ ዓብላሊ ሰልፊ ዲሞክራት ሻክ ሹመር ብዛዕባ እዚ "ሎሚ ድሕሪ ዕቱብ ስራሕ ሓደ ዓመት ሰነት ታሪኽ ይሰርሕ ኣሎ።ሕጊ ምንካይ ዝቕባበ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ናይ ሕጊ ምውፃእ ተግባራት ሓደ ኮይኑ ከምዝፀንሕ እምነት ኣለኒ።እቲ ሕጊ ዝቕባበ ክንኪ፣ዋጋ ክጉድል፣ፅቡቕ ደሞዝ ዘኽፍሉ ሚልዮናት ስራሕቲ ክፈጥርን ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ኣዚዩ ተባዕ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘተኣታትውን እዩ" ኢሎም።

ሪፓብሊካዊያን እቲ ሕጊ ዝቕባበ ኣይፈትሕን ኣብ ክንድኡ ዕድል ስራሕ ዝቐትልን ምዕባለ ዘድክምን ቁጠባ ናብ ውድቀት ዘእቱን እዩ ክብሉ ይከራኸሩ።

XS
SM
MD
LG