ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነት ኣመሪካ ምቅይያር ሰዓታት ደው ክብል ወሲኑ


ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ዝነበሮ ርክብ፡ ምቅይያር ሰዓት ሓጋይን ጽድያን ክቋረጽ፡ ብምሉእ ዓመት ሓደ ኣቈጻጽራ ሰዓት ክህሉን ዝብል ውሳነ ብምሉእ ድምጺ ኣሕሊፉ።

እዚ ብኽልቲኡ ሰልፍታት ዝሓለፈ ውሳነ፡ ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣትሒዞም፡ ኣመሪካውያን ንምውዳእ ሓጋይን ምጅማር ጽድያን ዝገብሩዎ ምትዕርራይ ግዜ (daylight saving) ዘውግድ ኰይኑ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ጥዕናን ቍጠባን እታ ሃገር ጽቡቕ ግደ ከም ከምዝህልዎ ተሓቢሩ'ሎ።እቲ መደብ ኣብ ክንድኡ ምሉእ ዓመት ሓደ ዓይነት ኣቆጻጽራ ሰዓት ክህሉ’ዩ።

እቲ Sunshine Protection Act (ሕጊ ምክልኻል ብርሃን) ብዝብል ስም ዝቐረበ ንድፊ ኣብ ሕጊ ንኸውዕል ድጋፍ ተወከልቲ ህዝቢን ክታም ፕረዚደንትን ከድልዮ’ዩ። ድሮ ልዕሊ 10 ዝበጽሓ ክፍሊ-ሃገራት ኣመሪካ ነዚ ተግባር ጀሚረንኦ ምጽናሐን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG