ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነተር ኩንስ ናብ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ ምብጻሕ ስዒቡ ዝሃብዎ መግለጺ


ሴነተር ክሪስ ኩንስ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ተራኺቦም ምዝታዮም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ሓቢሮም ።

ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይገለ ፀገምን ክልከላን ናብ ትግራይ ክባፅሑ ፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈፀሙ ድማ ተሓተቲ ክኾኑ እዮም ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝሃብዎ መግለጺ ዘተባብዕ ምዃኑ ዝሓበሩ ኩንስ ይኹን እምበር እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድም ክብል ዝኣተዉዎም ቃል ከተግብሩ ኣይተራእዩን ክብሉ ስጋኣት ከምዝሓደሮም ገሊፆም ።

ከምኡ'ውን ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ፍልይቲ ኣማኻሪት ፕረዚደንት ባይደን ዳና ባንክስ'ውን ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ሐጂ'ውን ከምዘተሓሳሰበን ገሊፀን ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሰነተር ኩንስ ናብ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ ምብጻሕ ስዒቡ ዝሃብዎ መግለጺ
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:16 0:00


XS
SM
MD
LG