ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነተራት ኣመሪካ ንምምርዓው ተመሳሳሊ ጾታ ሓለዋ ንዝገብር ሕጊ ድምጾም ሂቦም


ሰነተራት ኣመሪካ ንምምርዓው ተመሳሳሊ ጾታ ሓለዋ ንዝገብር ሕጊ ድምጾም ሂቦም። ኣብቲ ምሃብ ድምጺ፡ 12 ሪፓብሊካን ምስ ደሞክራት ተጸንቢሮም 62 ድጋፍ 36 ድማ ተቓውሞ ተዋሂብዎ`ሎ። እቲ ዓንቀጽ ሕጊ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌት ንዝግበር ምምርዓው`ውን ሓለዋ ዝህብ`ዩ ተባሂሉ`ሎ።

እቲ ሓዲሽ ዓንቀጽ ነቲ ኣብ 1996 ዝወጸን መርዓ ማለት ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝግበር ውዕል`ዩ ዝብልን ፈደራላዊ ሕጊ ዘውድቕ `ዩ።

እንተኾነ እቲ ዓንቀጽ፡ ክፍለ-ግዝኣታት ኣመሪካ ነቲ መርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ዝብል ከፍርስ ዝኽእል ናይ ባዕለን ሕጊ ከሕልፋ ዝኽልክለን ኣይኮነን።

XS
SM
MD
LG