ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ ስልጣን ሊብያ ካብ ዝደሓንሉ መርከብ ንምውራድ ዘይፈቐዱ ስደተኛታት ብሓይሊ ከምዘውረድዎም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ሰብ ስልጣን ሊብያ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ብንግዳዊት መርከብ ድሒሮም ኣብ ወደባዊት ከተማ ሚስትራ ምስ በጽሑ ካብቲ መርከብ ክወርዱ ፍቓደኛታት ከምዘይኾኑ ክገልጹ ንዝጸንሑ 79 ስደተኛታት ብሓይሊ ካብታ መርከብ ከምዝውረድዎም ተገሊጹ።

እታ ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ፓናማ ትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ ነቶም ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ብምድሓን ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምስ መለሰቶም 14 ካብኣቶም ሽዑ ሽዑ ክወርዱ ከለው ዝተረፉ 79 ግን ናብ ሊብያ ክምለሱ ፍቃደኛታት ከምዘይኮኑን ካብታ መርከብ ከምዘይወርዱን ክገልጹ ጸኒሖም።

ኮማንደር ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ጨንፈር ማእከላይ ዞባ ተውፊቕ ኢሳካር ብቴሌፎን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ቁጽሪ ስደተኛታት ልዕሊ 90 ምኳኑ ምስ ፖሊስ ብምትሕብባር ኣብ ዝተኻይደ ስርሒት ዘንብዕ ጋዝን ዘይቐትል ዓረር ብምጥቃሞም ገለ ጉድኣት ዝበጽሖም ስደተኛታት ከምዘለው ሓቢሮም።

ንሶም ብተወሳኺ እቶም ዝተጎድኡ ስደተኛታት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዝርኸቡን አረዲኦም ኣለው።

ሕቡራት ሃገራት ቁጽሪ እቶም ስደተኛታት 79 ከምዝኾነን በቲ ፍጻሜዝተሰምዖ ሓዘንን ገሊጹ'ሎ።

ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ግን ሰብ ስልጣን ሊብያ ሓይሊ ብምጥቓሞም ብትሪ ብምንቃፍ ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ምርመራ ክካየድ ጸዊዑ'ሎ።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዲፕሎማት ሱዳንን ሶማልን እቶም ስደተኛታት ብወለንትኦም ካራታ መርከራ ክወርዱ ብመንጎኝነት ክሰርሑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG