ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ ሞያ ጥዕና ኣሜሪካ 6 ተወሰኽቲ ምልክታት ቫይረስ ኮሮና ምርኻቦም ኣፍሊጦም


ሰብ ሞያ ጥዕና ኣሜሪካ፥ ሽዱሽተ ተወሰኽቲ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ኣላልዮም። ካብ መንጎ`ቶም ምልክታት፡ ቁሪ ቁሪ ምባል፥ ቀጥቀጥ ምባል፥ ቅርጥማት፡ ሕማም ርእሲ፥ ምሕርሓር ጎሮሮ ከምኡ`ውን ምጥፋእ ምሽታት; ምልክታት ክሮናቫይረስ ክኾኑ ይኽእሉ`ዮም ክብል ናይ ኣሜሪካ ማእከል መርመራ ተላገብቲ ሕማማት- ሲዲሲ ኣፍሊጡ።

ሲዲሲ ኣቐድም ኣቢሉ ምልክታት`ዮም ዝበሎም: ረስኒ: ሕጽረት ምትንፋስን ምስዓል`ውን ኣብ ቦትኦም`ዮም ዘለዉ።

እዚ ከምኡ ኢሉ እንከሎ ተወሰኽቲ ግዝኣታት ኣሜሪካ ሎሚ ሰኑይ ሓጹራት ምዕጻው ከፍኩሳ ወሲነን ኣለዋ።

መራሕቲ ኮሎራዶ፥ ሞንታና፥ ሚነሶታን ተነሲን ሎሚ ሰኑይ ገለ ኣብያተ ንግዲ ክኽፈታ ፈቒዶም ኣለዉ። ኣቀድም ኣቢለን ዘፍኮሳ ምዕጻው ክፍለ-ግዝኣታት ጆርጅያ፥ ኦክላሃማ፥ ኣላስካን ሳውዝ ካሮላይናን`የን። ሰብ ሞያ ጥዕና ግን ኣንጻር ህውኽ ምኽፋት የጠንቅቑ`ለዉ።ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ- ዛጊት 55 ሺሕ ሞት ተመዝጊቡ`ሎ 30% ኣብ ኒው ዮርክ ጥራይ’ዩ።

ልዕሊ 26 ሚልዮን ኣመሪካውያን ድማ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰሙናት መንግስቲ ሓገዝ ክገብረሎም ፎርማታት ሸቕሊ- ኣልቦነት መሊኦም።

ፕረዚደንት ትራምፕ -ንናእሽቱ ኣብያተ-ንግድን ሆስፒታላትን ንምሕጋዝ 484 ቢልዮን ዶላር ብዓርቢ ፈሪሙ`ሎ ፥ ሚንስተር ገንዘቡ ስቲቨን ምኑቺን ድማ ከረምቲ ክውዳእ ከሎ ቁጠባ ኣሜሪካ ነጢሩ ዳግም ናብ ዝነበሮ ክምለስ`ዩ ይብል ኣሎ።

XS
SM
MD
LG