ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ-ሞያ ኣመሪካ ኣብ ወሳኒ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ድሕሪ ቻይና ትተርፍ ምህላዋ ይሕብሩ


ሰብ-ሞያ ኣመሪካ ኣብ ወሳኒ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ድሕሪ ቻይና ትተርፍ ምህላዋ ይሕብሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:36 0:00

ሰብ-ሞያ ኣመሪካ ኣብ ወሳኒ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ድሕሪ ቻይና ትተርፍ ምህላዋ ይሕብሩ

ኣመሪካ ኣብ ምዕባለ ወሳኒ ቴክኖሎጂ ድሕሪ ቻይና ትተርፍ ከይትህልው ሻቕሎት ይስማዕ ኣሎ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደን ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ሓለፍቲ ናይ አካየድቲ ስራሕ ብሕታዊ ትካላትን ኣብ ዝተረኸብሉን ኣኼባ፡ ኣመሪካ ኣብ ዓለም ዝጸንሓ ዓብላልነት ቴክኖሎጂን መራኸቢታትን ከይትስእን ስኽፍታታት ይስማዕ ኔሩ።

እቲ ኣኼባ፡ ብ'ፍሉይ ተወዳዳራይ መጽናዕቲ ፕሮጀክት' ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ነቲ ጻዕሪ ዝመርሖ ድማ ሓላፊ ጉግል ዝነበረ ኤሪክ ሽሚድት`ዩ። ዕላምኡ ድማ ኣመሪካ ካብ ሎሚ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ንዝህልው ውድድር ቴክኖ-ኤኮኖሚ ንምስዓር ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ድያ ዘላ ንዝብል መጻኢ ንምርኣዩ'ዩ።

ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ተሳተፍቲ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ውድድር ናይ ምስዓራ ጉዳይ ኣብ ስግኣት ወዲቑ`ዩ ዝብል ስምዒት ዓብላላይ`ዩ ኔሩ።

ቅድሚ`ቲ ኣኼባ ቅሩብ መዓልታት ኣቐድም ኣቢሉ፡ እቲ ፍሉይ ፕሮጀክት መጽናዕቲ ውድድር፡ ቻይና መራሒት ቴክኖሎጂ ዓለም እንተኾይና እንታይ ክመጽእ ይኽእል ዝብል ሪፖርት ኣቕሪቡ ኔሩ።

"ምልካዊ መንግስቲ ዝቆጻጸሮ ዲጂታል ትሕተ-ቕርጺ፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ዓለም ዓብላሊ ቦታ ምሓዝ፡ ንኣገደስቲ ምህርትታት ቴክኖሎጂ ምቁጽጻር፡ ከም ባዮ፡ቴክን ሓዲሽ ቴክኖሎጂ ጽዓትን ተጠቒምካ ንማሕበረሰብ፡ ንቁጠባን ንወተሃደራዊ ሓይሊ ክተሳግሮ ምስራሕ”፡ እቲ ኩሉ ስኽፍታታት ምዃኑ እቲ ሪፖርት ጠቒሱ`ሎ።

እቲ ሪፖርት ዘቕረቦ ነዊሕ ዝጠመተ ግምት፡ ብሓዲሽ ቴክኖሎጂካዊ ምዕባለ ዝርከብ ብትሪልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ኣታዊ ፡ እትረኽቦ ኣመሪካ ዘይኮነት ቻይና ክትከውን ከምትኽእል፡ ደሞክራሲ ዘይኮነስ ምልኪ ዓባላሊ ኣገባብ መንግስቲ ክኸውን ከምዝኽእል የሰምዕ።

ኣብቲ እቲ ሪፖርት ዘቕረቦ ናይ ስኽፍታ ራእይ፡ ቻይና፡ `ልዑላዊ ኢንተርነት` ዝብል ስነ-ሓሳብ ከምተተኣታቱ፡ ንሱ ማለት ድማ ሃገራት ናብ ህዝበን ዝውሕዝ ሓበሬታ ክድርታ፡ ቻይና ድማ ነቲ ኣገዳሲ ቴክኖሎጂ ብምቁጽጻር ኣብ ዙርያ ዓለም ንዝርከብ ትሕተ ቅርጽታት ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ ትቆጻጸር ዝብል`ዩ።

ኣብ መወዳእታ ይብል እቲ ሪፖርት፡ ብኸምዚ ዓይነት ኣካይዳ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዘለዎ መሪሕነት ቴክኖሎጂ ከምዝስእንን፡ቻይና ድማ ከም ማይክሮ፡ኤሌክትሮኒክስን ካልኦት ወሰንቲ ቴክኖሎጂካዊ መዳያትን ክተጥፍኦ ከም ትኽእልን ሻቕሎቱ ኣቐሚጡ`ሎ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተዛረበ ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ዋይትሃውስ ጃክ ሱሊቫን፡ ኣመሪካ ኣብ ምህዞታት ሓዲሽ ቴክኖሎጂ ምስ ቻይና ስጉምታ ኣብ ምሕላው ዘይንዓቕ ብድሆታት የጋጥማ ከምዘሎ ብምግላጽ ምስቲ ዋዕላ ተሰማሚዑ`ዩ።

“ኣመሪካ ኣብ ዓለም ዘለዋ ቀንዲ መሪሕነት ተወዳዳራይ ቴክኖሎጂ ከም ውሑስ ክውሰድ የብሉን" ዝበለ ሱሊቫን፡ ንመሪሕነት ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ብዝምልከት ከም ብሓዲሽ ክበራበርን ንቕድሚት ዝጠመተ ክኸውንን ግድን`ዩ ኢሉ።

ኣብ ቻይና፡ ንመሪሕነት ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ክምንጥል ዝደሊ ተወዳዳራይ`ዩ ዘለና፡ ንዕኡ ንምግባር ድማ ደረት ኣልቦ ዝኾነ ዓቕምታት`ዩ ዝምድብ ዘሎ ኢሉ።

እንተኾነ ኢሉ ብምስዓብ ሱሊቫን፡ ምምሕዳር ባይደን ብዛዕባ`ቲ ስግኣት ይፈልጥ`ዩ ንምብድሁ ድማ ይሰርሕ ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝቐረባ ዝተመደበ ልዕሊ 50 ቢልየን ዶላር ምምዕባል ማይክሮ ቺፕ ናቱ ኣብነት`ዩ ኢሉ።

ኣብ ግዜ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ዝነበረ ጡረተኛ ጀነራል ኤች ኣር ማክማስተር፡ ብወገኑ በቲ ዝድለ ቅልጣፈ ንግስግስ የለናን ይብል፡ ኣስዒቡ፡ ድሕሪ ዝሑል ኩናት ብሰንኪ ዝሓዝናዮ ሸለልትነት ኣብ ውድድር ቴክኖሎጂ ንድሕሪት ንተርፍ ኣለና፡ ቻይና በቲ ትኸዶ ዘላ ቅልጣፈ ንከይትኸይድ ድማ ናይ ሰደድ መቆጻጸሪ ክንገብር ኣለና ኢሉ።

ቻይና ብወገና ንኣመሪካ ብምቁጽጻር ዕብየት ቴክኖሎጂ ክትከሳ ጸኒሓ`ያ። ወሃቢት ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ቻይና ማኦ ኒንግ፡ ብዛዕባ ቁጽጽር ሰደድ ኣመሪካ ተሓቲታ ክትምልስ ከላ፡ “ ኣመሪካ ትገብሮ ዘላ፡ ምግባት ሳይ-ቴክ`ዩ፡" ቴክኖሎጂካዊ ዓቕምታታ ተጠቒማ ድማ፡ ንዕዳጋታት ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት ንምጽቃጥ ትጥቀመሉ ኣላ ኢላ።

እዛ ቻይናዊት በዓልቲ ስልጣን ምናልናት ኣመሪካ ተስፋ ትገብሮ፡ ቻይናን እቲ ዝተረፈ ዓለምን ንመዋእል ኣብቲ ታሕታዋይ ጽፍሒ ኢንዱስትሪያዊ ሰንሰለት ንኽነብር`ዩ ኢላ ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተኻየደ ኣኼባ ቴክኖሎጂ ካብ ዝደጋገም ዝነበረ ሓደ ቴማ ድማ ምምዕባል 5G ተንቀሳቓሳይ ኢንተርነት`ዩ። ኣመሪካ ትርከበን ምዕራባውያን ሃገራት ኣብዚ መዳይ ድሕሪ ቻይና ተሪፈን ከምዘለዋ ይግለጽ`ዩ።

ሓላፊ ጉግል ዝነበረ ኤሪክ ሽምድት፡ ኣብ 5G ኣባና ዘጋጠመ ነገር ከይድግም ክነረጋግጽ ኣለና፡ ብዘይደሞክራስያውያን ዘይ-ክፉታትን ስርዓታት ኣብ ዝዝወር ባይታ ኮይና ክንሰርሕ ኣይንደልን ኢና ኢሉ።

ኣብ ቻይና ኣምባሳደር ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ሃንትስማን፡ ኣብቲ እዋን ክዛረብ ከሎ ድማ፡ ቻይና ማዕረ ክንደይ ካብ ኣመሪካ ተወንጪፋ ከምዘላ፡ ኣመሪካውያን ብሓፈሽኡ ኣይፈልጡን`ዮም ኢሉ። ኤለክትሪክ መኪና ኣብ ምምዕባል ንኣብነት፡ ቻይና ብውሕዱ ሓሙሽተ ዓመት ቅድሚ ኣመሪካ ኣላ ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ ምስ ህዝቢ ቻይና ሕድሕዳዊ ንግድን ካልእ ምሕዝነታትን ምዕቃብ`ውን ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ። ንህዝብና ምፍላይ ወይ ምርሓቕ `ውን ጽቡቕ ኣይኮነን ዝበለ ጆን ሃንትስማን፡ ከምኡ እንተገይርና ግን ከምቲ ምስ ሩስያ ኣጋጢሙና ዘሎ ምስ ቻይና`ውን ከጋጥመና`ዩ ኢሉ።ኣብቲ ዋዕላ ፕሮጀክት ተወዳዳራይ ቴክኖሎጂ ዝተሳተፈ ኣብ ቻይና ኣምባሳደር ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ሃንትስማን ምግድዳፍ ግን ኣብ ጸጥታዊ መዳይ`ውን ዘይምርድዳእን ምቅሕሓርን ጥራይ`ዩ ክፈጥር ዝኽእል ኢሉ።

XS
SM
MD
LG