ዋሽንግተን —
መራሒ ኣመሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ኣብ ልዕሊ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዘለዎም መርገጺ ንጹር ገይሮምዎ ኣለው። ሩስያ ኣብ ዩክሬን ንዝፈጸመቶ ግፍዒ "ጅምላዊ ህልቂት እዩ" ክብልዎ ከለው፣ ሰብ ሞያ ሕጊ ድማ "ከምኡ ኢልካ ንምድምዳም ዘሕግዝ ባይታ ኣሎ" ይብሉ።
ባይደን "እወ ‘ጅምላዊ ህልቂት’ ኢለዮ ኣለኹ። ምኽንያቱ፣ ድልየት ፑትን፣ ዩክሬናዊያን ፈጺሙ ክጠፍኡ ኣለዎም ዝብል ስለዝኾነ" ኢሎም።
መራሒ ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮ ግና ነዚ ቃል’ዚ ክጥቀሙ ኣይመረጹን። "እታ ‘ጅምላዊ ህልቂት(ጀኖሳይ)' ትብል ቃል፣ ዝተፈለየ ትርጉም እዩ ዘለዋ። ክትርጉምልና ዘለዎም ድማ፣ ፖለቲካዊያን ዘይኮኑስ ሰብ ሞያ ሕጊ እዮም ክኾኑ ዘለዎም" ኢሎም።
ኣብ ልዕሊ ትርጉም ጀኖሳይድ ዘሎ ኣፈላላይ ከምዘሎ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ዩክሬናዊያን ዝተፈጸመ ጅምላዊ ህልቂት ንምኻኑ ጭብጢታት ናይ ምእካብ ስራሕ ደው ኣይበለን። እቶም ኪኢላታት ድሕሪ ገበን ምፍጻሙ መስርሕ ምጽራይ ብምጅማር፣ ሰነዳት ክእከቡን ብቅልጡፍ ናብ ዓለም ክዝርጋሕን ይግባእ ይብሉ።