ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ ሞያ ሕክምና ቁጽሪ ብኦሚክሮን ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ዝወሰኸሉ ሰባት ምትእኽኻብ ከወግዱ ይመኽሩ


እዚ ምስሊ ታሕሳስ 20,2021 ዝተወስደ'ዩ
እዚ ምስሊ ታሕሳስ 20,2021 ዝተወስደ'ዩ

ሰብ ሞያ ሕክምና ኣመሪካ ኦሚክሮን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ናብ እኩብ ህዝቢ ምፅንባር ግዚኡ ኣይኮነን ክብሉ የጠንቅቑ ኣለው።ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅ ዋሽንግተን ፕሮፌሰር ሕክምናን መጥባሕትን ዶክተር ጆናታን ሬይነር ንCNN ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መዋእልና ዘይርኣናዮ ቅልውላው ህዝባዊ ጥዕና ኢና ንርከብ’’ኢሎም።

ናይ ኣመሪካ ላዕለዋይ ክኢላ ተመሓላላፊፍቲ ሕማማት ዶክተር ፋውቺ ሰባት ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ህዝቢ ናብዝተኣከቦ ከይፅንበሩ ኣተሓሳሲቦም።ናይ ግድን ምስ ሰባት ምርኻብ ዘድሊ እንተኾይኑ ድማ ምስ ዝተኸተቡ ውሑድ ቁፅሪ ክራኸቡ ምዒዶም።

ኣመሪካ ትማሊ ሓሙስ ብኮቪድ19 ዝተትሓዙ 580,000 ሰባት መዝጊባ ኣላ: ብረቡዕ ድማ ብድምር 488,000 መዝጊባ ኣላ።

እስራኤል ምስ ምስፍሕፋሕ ኦሚክሮን ዓበይትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሓዊሱ ትሑት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንዘለዎም ሰባት ራብዓይ መጠን ክታበት ኮቪድ19 ትማሊ ሓሙስ ኣፅዲቓ ኣላ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ንመጀመሪያ ግዜ ኦሚክሮን ኣብ ዝተርኣየላ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣዊጃቶ ዝነበረት ናይ ስዓት እቶ እቶ ኣልዒላቶ።

ካብ ፍሉይ ኣኼባ ካብኔ ትማሊ ሓሙስ ዝወፀ መግለፂ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እቶም ምልክታት "እታ ሃገር ንራብዓይ ማዕበል ብደረጃ ሃገር ሓሊፋቶ ክትኸውን ትኽእል እያ’’ይብል።

ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ትማሊ ሓሙስ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣብ ዙሪያ ዓለም ብኮቪድ 19 ዝተታሓዙ 286,597,691 ሰባት ዝሞቱ 5,431,860፩ ተመዝጊቦም ኣለው።ኣብ ኣሜሪካ ዝተትሓዙ 54፣252,612 ሰባት ዝሞቱ ድማ 824,369 ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG