ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ-መዚ ፓኪስታንን ዕጡቓት ጉጅለን ብዛዕባ ጅሆ ዝተታሕዙ ሓለውቲ ኣመልኪቶም ይዘራረቡ ኣለዉ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሓደ ጥርጡራት ግብረ-ሽበራ ዝተሓዙሉ ቤት ማእሰርቲ ፓስኪታን፡ ካብቶም እሱራት ንሓለውቲ ፖሊስ ጅሆ ድሕሪ ምሓዞም ንምፍታሖም ዘተ ይቕጽል ኣሎ። ባኑ ኣብ እትብሃል ኣብ ዶባት ኣፍጋኒስታን እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ዝርከቡ እሱራት፡ ነቶም ሒዞሞም ዘለዉ ኣባላት ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ክገድፉዎም እንተዀይኖም፡ ንሳቶም ናብ ኣፍጋኒስታን ክጓዓዙ ክፍቀዶም ጠለብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

እቲ ክስተት ዘጋጠመ ገለ ካብቶም እሱራት እናተመርመሩ እንከለዉ፡ ካብ ሓለውቲ ብረት መንዚዖም ንገለ ወገን እቲ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምቍጽጻሮም’ዩ። ኣብቲ ዝነበረ ናይ ተዅሱ ለውጥ፡ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ከም ዝሞቱ ሰብ-መዚ ፓኪስታን ኣፍሊጦም። ገለ ካብቶም ዝሃደሙ እሱራት ሓለውቲ ሒዞም ከም ዝኸዱ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ክፍንዉዎም እንተዀይኖም እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኣስታት 35 ኣባላት እቲ ጕጅለ ናብ ኣፍጋኒስታን ክሰግሩ ናጻ ክግደፉ ጠለብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ሰብ-መዚ ፓኪስታን ነቲ ብዕጡቓት ወገናት ዝቐረበ ጠለብ ነጺጎሞ ኣለዉ። ካልእ መገድታት ኣብ ምንዳይ ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ግን ዝረኸብናዮ ዜና የረድእ።

XS
SM
MD
LG