ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ-መዚ ናይጀሪያ ሸውዓተ ዝተጨውዩ ዜጋታት ምርካቦም ገሊጾም


ፋይል
ፋይል

ሃገራዊ ጸጥታ ናይጀሪያ፡ ነቶም ብቐዳም ካብ መደበር ባቡር ክፍለ-ሃገር ኢዶ፡ ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝተወስዱ 31 ዜጋታት ንምድሓን ክገብሩዎ ብዝጸንሑ ስራሓት ሸውዓተ ካብኣቶም ምድሓኖም ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ናይጀሪያ ሓቢሩ።

እቲ ፍጻመ ቀዳም ኣጋ ምሸት ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዘላ ኢጉበን፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ተጸበይቲ ባቡር ተዅሲ ከፊቶም ድሕሪ ምጭዋዮም’ዩ ኣጋጢሙ። እቶም ጨወይቲ AK-47 ከላሽን ዝዓጠቑ ኰይኖም፡ በቲ ዝፈነዉዎ ተዅሲ ሓያሎ ኣቝሲሎም ነቶም ዝተረፉ ድማ ጅሆ ሒዞሞም ናብቲ በረኻታት ከም ዝተሸርቡ ፖሊስ እቲ ክፍለ-ሃገር ኣመልኪቱ።

ፖሊስ ክግበሮ ብዝጸንሐ ሃድን ነቶም ክልተ ቆልዑ ዝርከቡዎ ሸውዓተ ጭዉያት ኣብቲ ዱራት ገዲፎሞም ምዃዶም ተፈሊጡ። እቶም ዝተረፉ 24 ግን ገና ደሃዮም የሎን።

ሓደ ካብቶም ዕጡቓት ኣብ ቀይዲ ከም ዘሎ’ውን እቲ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።

እዚ መጥቃዕቲ ዘጋጥም ዘሎ፡ ናይጀርያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን’ዩ። ኣብታ ሃገር ምጭዋይ ካብ ባቡር ዝደጋገም ዘሎ ተርእዮ ኰይኑ፡ እዚ ናይ ቀዳም ፍጻመ ድማ ብሰንኪ መጭወይቲ 60 ተጓዓዝቲ መስመር ባቡር ካዱና ነዊሕ ኣቋሪጹ ጽሕሪ ምጽናሕ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣገልግሎት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን’ዩ። ናይጀሪያ ብኣኽረርቲ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዝጸንሐ ስእነት ጸጥታ ከም ዘለዋ ይፍለጥ። ኣብ ቀረባ ግዜ ግን እቲ ጎንጺ ናብ ምሉእ እታ ሃገር ልሒሙ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG