ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ መዚ ሚ/ሕርሻ ኬንያ ንሕርሻ ሩዝ ዘባኽና ኣዕዋፍ ክቕተላ ዝሓለፈ ውሳነ ይድግፉ


ፋይል- ኣዕዋፍ ኲዌላ
ፋይል- ኣዕዋፍ ኲዌላ

ሚንስትሪ ሕርሻ ኬንያ ንቕትለት ብሚልዮናት ዝቑጸራ ኲዌላ ዝተባህለ ንዘራእቲ ሩዝ ዘባኽና ኣዕዋፍ ከምዝድግፉ ኣፍሊጡ።። ሰበስልጣን ከምዝበልዎ ስጋብ 6 ሚልዮን ዝበፅሓ ኣዕዋፍ ክቕተላ ከምዘለወን ከም ፍታሕ ኣቕሪቦም ኣለው። ይኹን እምበር ነተን ኣዕዋፍ ንምቕታል ዘገልግል መርዛም ኬሚካል ኣብ ሓፈሻዊ ስርዓት ከባቢ ዓብዪ ሓደጋ ዘስዕብ ምዃኑ ተመራመርቲ ሓለዋ ኸባቢ የጠንቅቑ።

ሓረስቶት እቲ ኸባቢ ከምዝብልዎ እተን ቀይሕ ዝኣፈን ኲዌላ ተባሂለን ዝፍለጣ ኣዕዋፍ ናብ ኪስሙ ዝበሃል ከባቢ ብምእታው ኣብ 120 ሄክታር ሕርሻ ዝነበረ ሩዝ ምብላሻወን ይገልፁ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ምዕራብ ካኖ ጥራሕ ስጋብ 5,000 ሜትሪክ ቶን ሩዝ የፍርዩ እኳ እንተነበሩ ሰለስተ ርብዒ እቲ እቶት በተን ኣዕዋፍ ይበላሾ ምህላዉ ሓላፊ ሕርሻ መስኖ ምዕራብ ካኖ ይገልጹ። በዚ ድማ ሓረስቶት ካብ ባንኪ ዝተለቅሕዎ ገንዘብ ኣብ ምኽፋል ክፅገሙ ምዃኖም ወሲኾም ሓቢሮም።

ተመራማሪ ሓለዋ ኸባቢ ሃብቲ ተፈጥሮ እንስሳት ኬንያ እዘን ኣዕዋፍ ከም ሓደገኛታት ባልዕ ከውሰዳ ምውሳኑ ዘሕዝን ኮይኑ ንዓኣን ንምጥፋእ ተባሂሉ እቲ ኣብ ኣየር ዝንፀግ ኬሚካላዊ መርዚ ድማ ነተን ካልኦት ዓይነት ኣዕዋፍ እውን ዝጎድእን ኣብ ሓፈሻዊ ስርዓት ከባቢ ሓደጋ ዘስዕብን እዩ ይብሉ ።

ካብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ብዘጓነፈ ተደጋጋሚ ደርቂ ቀንዲ መግቢ እታ ዑፍ ዝነበረ ሳዕሪ ክቅንስ ዝገበሮ ኾይኑ ኣብ 2021 እታ ዑፍ ዘውረደቶ ሓደጋ 50 ሚልየን ዶላር ይግመት ይብል ።

XS
SM
MD
LG