ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ንምግማቱ ዘይከአልን ተአፋፊን'ዩ' ሕ/ሃ


ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ያሪክ
ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ያሪክ

ምንቅስቃስ ህወሓት “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዮም ዝብሎም ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይልታት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝቀጸለሉ እዋን፣ ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ሎሚ’ውን ምግማት ዘይካኣልን ተአፋፍንን ኮይኑ ከምዘሎ ቢሮ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ኩነታት ሕ/ሃ(ኦቻ) አፍሊጡ።

ናብ’ቲ ክልል ንምእታው ሎሚ’ውን ኣጸጋሚን እቲ እንኮ መተሓላለፊ ብወገን ክልል ዓፋር ኮይኑ ከምዘሎ፣ ሰብኣዊ ጠለባት ንምምላእ፣ ዕለታዊ 100 ናይ ጽዕነት መካይን ክብገሳ ከምዝግባእን ኦቻ ሓቢሩ።

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ 318 ናይ ጽዕነት መካይን ጥራሕ ናብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተዋ ዝጠቅስ ኦቻ፣ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ገዚፍ ብድሆ ንምቅላል ብመንጽር ዘሎ ጠለብ ኣዝዩ ዝታሓተ እዩ ይብል።

ብዘይካ'ዚ፣ ሰብኣዊ ስራሕ ብሕጽረት መጠን ክዙን መግቢ፣ ገንዘብ፣ ኣገልግሎት ባንኪ፣ ነዳዲን ቴለኮሚኒኬሽንን ምሒር ተጎዲኡ ከምዘሎ ተሓቢሩ'ሎ።

ሳላ ካብ አዲስ አበባ ንመቀለ አዲስ አበባ ዝተኸፈተ ኣገልግሎት በረራ ነፈርቲ ሕቡራት ሃገራት ግና ምቅይያር ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተማሓይሹ ኣሎ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 457 ሰራሕተኛታት ሕ/ሃ አለው ኣብ ክልል ትግራይ ምህላዎም ይግለጽ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ካብ ክልል ዓፋር ናብ ክልል ትግራይ ዝብገሳ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝጻዓና መካይን፣ ብሰንኪ ዝተናወሐ መስርሓት ፍተሻን ፈቃድ መሕለፊን የጋጥመን ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ያሪክ ገሊጹ።

ስቴፈን ያሪክ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣብ መዓልቲ ክሳብ 30 ዝኾና መካይን መስርሐን ወዲኤን ክሓልፋ ከምዝኽእላ፣ ደጋጊምና ከምዝበልናዮ፣ ክኾን ዝነበሮ ግና 100 መካይን ናይ ጽዕነት መዓልታዊ ናብ v ትግራይ ክንቀሳቀሳ እዩ ድልየትና" ኢሎም። ንሶም ነቲ ወሪዱ ዘሎ ሰብኣዊ ጠለብ ንምምላእ ምስ መሻርኽትና ሓቢርና ንምስራሕ ቅሩባት ኣለና ይብሉ ።

29 ተንቀሳቀስቲ ማእከላት ሕክምናን መግብን መሰረታዊ ኣገልግሎት ይልግሳ ከምዘለዋ፣ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ሕክምናዊ ምኽሪ ኣብ 72 ትካላት ሕክምና 47 ካምፕታት ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ሓገዝ ይልግሳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ ።

XS
SM
MD
LG