ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣሻቃሊ'ዩ' ፍሊፖ ግራንዴ 


ኮሚሽነር ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዴ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ንመዓስከር ስደተኛታት ሓዊሱ ከምዝበጽሑን ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት መንግስታዊ ሰበ ስልጣንን ከምዝተዘራረቡን ተገሊጹ።

ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ዋና መሻርኽቲ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝኾነት ዝጠቀሱ እቶም ኮምሽነር፣ ንዓመታት ንሚልዮናት ስደተኛታት ዘዕቆበት ሃገር ከምዝኾነት ጠቂሶም: መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝንእዱ’ውን ጠቂሶም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተዓዘብዎ ሰብኣዊ ኩነታት፣ ኣዝዩ ዘሻቅል ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኮምሽነር ፍሊፖ ግራንዴ "ሰባት ኩሉ ዓይነት ደገፍ የድልዮም ኣሎ፣ መግቢ: መድሓኒት፣ ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ መጽለሊ፣ ምቁራጽ ኣገልግሎታት ባንኪን ቴለፎንን ንስቃይ ህዝቢ ኣጋዲድዎ ኣሎ፣ ስለዚ ምጅማር እዞም ኣገልግሎታት ቀዲሙ ክስራዕ ዘለዎ እዩ"ኢሎም።

ብዛዕባ መዓስራት ስደተኛታት ክዛረቡ ከለው "ዕጡቃት ናብ’ቶም መዓስከራት ከምዝኣተው፣ ቅትለት፣ ጨዊኻ ምውሳድ፣ ዝተወሰኑ ብሰራዊት ኤርትራ ተገዲዶም ንኤርትራ ከምዝተወሰዱ"ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG