ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ዘይምእታው ከምዘሻቀሎ ትካል ረድኤት ኖርዌይ ገሊጹ 


ትካል ረድኤት ኖርዌይ‘ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዕል ድሕሪ ምፍራሙ ሓደ ሰሙን ሓሊፉ ከሎ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ሎሚ’ውን ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ዘይምኽኣሉ ከምዘጨነቆ’ ገሊጹ።

ሓላፊ ትካል ረድኤት ኖርዌይ ያን ኢግላንድ ኣብ ዝፈነውዎ መልእኽቲ ‘ቆልዑ፣ ደቂ ኣንስትዮን ዓበይቲን ብሰንኪ እቲ ንሓደ ወርሒ ዝቀጸለ ግጭት ግዳያት ኮይኖም ከምዘለውን ካብ ደገ ረድኤት ክበጽሓሎም ከምዘይካኣለን’ ጠቂሶም።

ያን ኢግላንድ‘እዞም ህዝቢታት ካብ’ዚ ንላዕሊ ክጽበዩ ኣይኽእሉን፣ ረድኤት ንከይበጽሕ ዕንቅፋት ምፍጣር ይኣክል፣ ረድኤት መግቢ ንክንዕድል ተቀሪብና ኣለና፣ ህጹጽ መልሲ ክንረክብ ይግባእ’ ኢሎም።

‘ኩሎም ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ናይ ሕቡራት ሃገራት መሻርኽቲን፣ ሰብኣዊ ረድኤት ዝባጻሓሉ ኣገባብ ክፈጥሩን፣ ረድኤት ናብ ዘድልዮም ህዝቢታት ክዕደልን ኣዘኻኪሮም’።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቃለሖ ጻውዒት፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ንክሓልፍ ዳግማይ መጸዋዕታ ኣሕሊፉ። ልዕሊ ወርሒ ድሕሪ ዝተካየደ ውግእ፣ ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝርከቡ’ውን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG