ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

157 ሰባት ዝጸዓነት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምውዳቓ ኩሎም ተሳፈርቲ ሞይቶም


ቦይንግ 737 ዝዓየነታ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተበጊሳ ናብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ እተምርሐሉ ዝነበረት ግዜ ብዘጋጠማ ሓደጋ ከምዝወደቐትን ኩሎም ጽዒናቶም ዝነበረት ተሳፈርቲ ድማ ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

እታ ነፋሪት ሓጺር ድሕሪ ምብራራ ቢሾፍቱ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከምዝተሓምሸሸት መንግስታዊ መራኸቢ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ። ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ: እታ ነፋሪት ዜጋታት 33 ሃገራት ጺዒና ኣብ በረራ ከምዝነበረት ክፍለጥ ከሎ: ካባታቶም ድማ 32 ኬንያውያን፤ 18 ካናዳውያን፤ 9 ኢትዮጵያውያንን 8ኣመሪካውያንን ዝርከብዎም ካብቶም ዝሞቱ ምዃኖም ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ሓደጋ ምሕምሻሽ ዘጋጠማ ቦይንግ 737- MAX 8 ዝዓየንታ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ሎሚ ሰንበት በረራ ዝጀመረት ክትኸውን እንከላ: ሽዱሽተ ደቒቕ ድሕሪ ንቕሎኣ ካብ መቖጻጸሪ ራዳር ምስዋራ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነታ ነፋሪት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ብዕድጊ ካብ ዝተረከበን ሓደስቲ ነፈርቲ ምዃና ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብስም መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንስድራቤትን ፈተወትን መወቲ ናይታ ኣብ ስሩዕ በረራ እንከላ ሓደጋ ዘጋጥማ ነፋሪት ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ አበባ ብስም ህዝብን መንግስቲን ኣሜሪካ ከምኡ'ውን አባላት'ቲ ኤምባሲ ንፈተወትን ቤተሰብን ግዳያት ምጽንናዕ ተመንዮ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ብወገኖም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ንፈተወትን ቤተሰብን ግዳያት ምጽንናዕ ተመንዮም ንህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያን እውን ናይ ሓዘን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG