ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

80 ሰባት ዝቐተለ መጥቓዕቲ ሶማል ናይ ወጻኢ ሃገር ኢድ ኣለዎ ክብል ኤጄንሲ ስለያ’ታ ሃገር ከሲሱ


ናይ ሶማል ሃገራዊ ናይ ስለያ ኤጄንሲ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ እንተወሓደ 80 ሰባት ዝተቐትልሉ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ንዝተፈፀመን ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ሽማ ንዘይተጠቕሰት ናይ ወፃኢ ሃገር ከሲሱ።

ኤጄንሲ ሃገራዊ ስለያን ደሕንነትን ሶማል ሎሚ ሶኑይ ኣብዘውፅኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ‘’እቲ ኣብ ሞቓድሾ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶማሊያ ዝተፈፀመ ጭፍጨፋ ብናይ ወፃኢ ሃገር ከምዘተተለመ ዝሕብር መባእታዊ ፀብፃብ ንመራሕቲ ሃገር ኣቕሪብና ኣለና’’ይብል። ‘’ምርመራ ንምዝዛም ካብ ዓለምለኸ ኤጄንሲታት ስለያ ሓገዝ ንደልይ ኢና’’ክብል ኣብቲ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ኤጄንሲ ኣብቲ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ኢድ ኣለዋ ኢሉ ናይ ዝኸሰሳ ሃገር ሽም ኣይረቑሓን፣ነቲ ኽሲ ዝድግፍ መርትዖ እውን ኣየቕረበን።

እዚ ኽሲ እዚ ናይ ሶማል ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ቅድም ክብል ምስ ዝሃቡዎ መግለፂ ዝገራጨው’ዩ ይመስል።እቶም ፕረዚደንት ኣል-ሸባብ ንስቪላትን ህጻናትን ዝቐትል ኣኽራሪ ጉጅለዩ ክብሉ ዝሓለፈ ቀዳም ከሲሶምዎ ነይሮም።

ኣል-ሸባብ ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ኣይወሰደን።ተንተንትን መራሕቲ ሶማልን ግን ናይ ቅድሚ ሎሚ መጥቓዕታት ብምጥቓስ ንኣል-ሸባብ ይኸሱ።

ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ግን ናይቲ ኤጄንሲ ክሲ ፍሽለቱ ንምኽዋል ንህዝቢ ንምግጋይ ዝወፀ እዩ ክብሉ ይነቕፉ።

ምኽትል ኣዛዚ ፖሊስ ጀነራል ዛኪያ ሑሴን ብዝሒ ዝሞቱ 80 ሰባት ምዃኖም እንተገለፁ እውን ክውስኽ ከምዝኽእል ግን ካልኦት ሰበስልጣን ሓቢሮም።22 ሰባት ሃለዋቶም ከምዘይፈልጥን ኣስታት 150 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ተሓቢሩ’ሎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሓዊሱ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ መጥቓዕቲ ብፅኑዕ ኮኒኖምዎ ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ናይቲ መጥቓዕቲ ዝመስል ኣብ ሶማል ዞባ ታሕታይ ሸበሌ ሰለስተ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝፈፀመት ተፈሊጡ’ሎ።ኣብ ከተማ ኩንዮ ዝተፈፀመ ክልተ ደብዳብ ነፈርቲ ንኽልተ ኣሸበርቲ ብምቕታል ንክልተ መካይን ኣዕኒዩ’ሎ።እቲ ኣብ ኣሊዮው ዝተባህለ ከባቢ ዝተፈፀመ ሳልሳይ መጥቓዕቲ ንኽልተ ዕጡቓት ቐቲሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG