ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

14 ሰባት ኣብ ሓደጋ ማእከላይ ባሕሪ ይጥሕሉ


 ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ቱኒዝያ ከይስ ሰዒድ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዘስምዖ ዓሌታዊ ዘረባ፡ ካብታ ሃገር ብዘይ ውሑስ መገዲ ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ዝፈተኑ 14 ዜጋታት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ቱኒዝያ ከም ዘመልክቱዎ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዘይምዝጉባት ስደተኛታት ብዝጕህሃር ዘሎ ጽልኢ፡ ሓያሎ ስደተኛታት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ካብታ ሃገር ብዝዀነ መገዲ ክወጽኡ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ግዳያት ሓደጋ ይዀኑ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ፡ 83 ሰባት ካብ ባሕሪ ከም ዘድሓኑ ዝበጽሓና ዜና ኣመልኪቱ። እቶም ብዘይ ውሑሳትን ዝተጸቓቐጣን ጃላቡ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ደሴት ላምፓዱሳ ተጸጊዖም ምንባሮም ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ካብ ቱኒዝያ፡ ሊብያን ቱርኪን ዝብገሱ ስደተኛታት ብብዝሒ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንሓደገኛ ጉዕዞ ይቃልዑ ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር።

ከም ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ምጅማር ዓመተ 2023 ንነጅው ጥራይ ኣስታት 21-ሽሕ ስደተኛታት ብጃላቡ ንኢጣልያ ክኣትዉ እንከለዉ፡ 309 ዜጋታት ድማ ኣብ መንጎ ተሰዊሮም።

XS
SM
MD
LG