ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ፑንትላንድ ኣብ ቦሳሶ ዝነበረ ግጭት ምቁራጽ ተኹሲ ምግባሮም ሓቢሮም


ሓይልታት ጸጥታ ሶማል
ሓይልታት ጸጥታ ሶማል

ኣብ ወደባዊት ከተማ ቦሳሶ ንክልተ መዓልታት ከቢድ ኲናት ድሕሪ ምክያዱ ስበ፡ስልጣን ፑንትላንድ ምቁራጽ ተኹሲ ጌርና`ለና ኢሎም።

እቲ ግጭት ዝተኻየደ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ ዝብሃሉ ብኣመሪካ ዝድገፉ ዝነበሩ ጸረ-ሽበራ ኣሃዱን፡ ኣብ መንጎ ምዱብ ሓይሊ ጸጥታ ፑንትላንድን`ዩ።

በቲ ግጭት ብውሕዱ 14 ሰባት ምሟቶምን 63 ከምዝቖሰሉን ምንጭታት ሕክምና ገሊጾም።

ንድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ቋንቋ ሶማል ዝተዛረበ ሚንስተር ጸጥታ ፑንትላንድ ዓብዲሳማድ ጋላን፡ እቲ ምቁራጽ ተኹሲ ዝተገብረ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ምሁራትን ነጋዶን ጣልቃ ኣትዮም እቲ ግጭት ደው ክብል ድሕሪ ምምሕጻኖም`ዩ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG