ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ፈረንሳ ኣብ ዘይሕጋዊያን መዕቖቢ ዝርከቡ ስደተኛታት ከውጽኡ ከምዝጀመሩ ተገሊጹ


ኣብ ፈረንሳ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ብዘጋጠመ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብስደተኛታት ዝተመስረቱ ግዝያዊ መዓስከራት ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ከዕቑቡ ጸኒሖም’ዮም።

ብመሰረት ጸብጻብ ሰበ ስልጣን ፈረንሳ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብዘን ግዝያዊ መዕቖቢ ክነብሩ ጸኒሖም’ዮም።

እቶም ስደተኛታት ካብቲ መዓስከራት ወጺኦም ናብ ዝሓሸ መሳለጥያታት ዝረኽብሉ ግዝያዊ መዕቖቢ ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ሳልሕ ያቆብ ሱዳናዊ ስደተኛ’ዩ። ንሱ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ኢሉ።

“ እቲ ኩነታት ዝተሓላለኸ’ዩ። መንበሪ ፍቓድ እንተዘይተዋሂቡና ናብ ጎደናታት ምውጻእና ዘይተርፍ’ዩ። ስለዝኾነ ድማ ዝልወጥ ነገር ኣሎ ኢለ ኣይኣምንንን” ይብል።

ሰበ ስልጣን ፈረንሳ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ታ ሃገር ዘለው ነአሽቱ መዕቖቢታት’ውን ከምዝብተኑ ይሕብሩ ኣለው። ኣብ ከባቢ ዋና ከተማ ፈረንሳ ፓሪስ ጥራይ ኣስታት 3 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝነብሩ ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማርኮ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ዘለዎም ክኾኑ ከለው ንጉዳይ ምሕታት ዑቕባ ዝምልከት ድማ ፓርላማ’ታ ሃገር ሓድሽ ሕጊ ምሕላፉ ይፍለጥ።

ካብ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣውሮጳ በጺሖም’ዮም።

ስለዝኾነ ድማ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ፈረንሳ’ውን ጉዳይ ስደተኛታት ቀንዲ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኮይኑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG