ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ጸጥታ ሱዳን ቤት ጽሕፈት መደበር ቴሌቭዥን ኣልጀዚራ ምዕጻዎም ተገሊጹ


ሰበ ስልጣን ጸጥታ ሱዳን ቤት ጽሕፈት ኣብ ቀጠር ዝመደበሩ መደበር ቴሌቭዥን ኣልጀዚራ ምዕጻዎም ዳይሬክተር’ቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ።

መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣብ ከተማ ካርቱም ንዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቀጠር ዝመደበሩ ቴሌቭዥን ኣልጀዚራ ብዘይ ዝኾነ ምክንያት ምዕጻው ዳይሬክተር’ቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ።

እቲ ዳይሬክተር ሰበ ስልጣን ዝተፈላለየ ጨንፈራት ጸጥታ’ታ ሃገር ናብቲ ቤት ጽሕፈት ብምምጻእ መሰጋገሪ ወታሃራዊ ቤት ምክሪ ሱዳን እቲ ቤት ጽሕፈት ክዕጸውን ንብረት ክተሓዝ ምእዛዞም ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG