ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ጥዕና ኣመሪካ ኩሎም ክሊ ዕድመ ኣብ እዋን ምትእኽኻብ መሓየሊ ክታበት ክወስዱ ይደፍኡ


ኣብ ኣመሪካ መዓልቲ ምስጋና ዝኽበረሉን ሰባት ኣብ ሓደ ስፍራ ኣብ ዝእከቡሉን ጊዜ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን መግለጺ ዘውጽኡ ሰበ ስልጣን ጥዕና፣ ኣባጽሕ`ውን መሐየሊ ክታበት ንክረኽቡ ይደፍኡ ኣለው።

ኣብ ዕለትን ቅነን መዓልቲ ምስጋና፣ ብርክት ዝበሉ ሰባት፣ ማዕረ’ቲ ቅድመ ኮቪድ19 ዝነበረ ኩነታት ንዘፍቅርዎም ኣባላት ቤተሰብን ስድራ ቤትን ንምርኣይ ክጓዓዙ እዮም።

እንተኾነ ኣብ ኣመሪካ መጠን ዝርጋሐ ኮቪድ19 ይገድድ ኣሎ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ሰበ ስልጣን ጥዕና ብወገኖም፣ ኩሎም ልዕሊ ዕድመ መሐየሊ ክታበት ንክወስዱ ኣፍቂዶም አለው።

ኣብ ኣመሪካ 26 ሚእታዊት ኣሜሪካዊያን ንትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦምን ምዕባዮምን ሓዊሱ ማለት እዩ፣ ገና ሓደ ክታበት ኮቪድ19 እውን ኣይወሰዱን ዘለው።

XS
SM
MD
LG