ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ጀርመን ብኣተሓሕዛ'ቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ውሕጅ ይንቐፉ ኣለው


ሰበ-ስልጣን ጀርመን ብኣተሓሕዛ ምክልኻል ውሕጅ ይንቐፉ`ለዉ። እቲ 315 ሰባት ዝቐተለ ድሕሪ 1962 ተራእዩ ዘይፈልጥ ውሕጅ፡ ቅድሚ ምምጽኡ ብሳተላይታት ተነጊርኩም ኔሩ- ግን ኣይሰማዕኩምን ዝብል ነቐፌታታት`ዩ ንሰበ-ስልጣን ጀርመንዝመጾም ዘሎ።

እቲ ዳሕራዋይ ውሕጅ ኣብ ሪነላንድ ዝተባህለት ሃብታም ዞባ`ዩ ኣጋጢሙ። ኣብ ሓምለ 10 መጠንቀቕታ ተሰሚዑ`ኳ እንተነበረ፡ ንስበ-ስልጣን ግን ሃንደበት ዝኾኖም`ዩ ዝመስል።

ሰራሕተኛታት ድሕነት ኣብ ዝፈረሱ ህንጻታት ተሰዊሮም ዝብሃሉ ሰባት ንምድሓን ጻዕሮም ቀጺሎም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG