ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን ዋይት ሃውስን ላዕለዎት ሰበስልጣን ደሞክራትን ንድጎማ ኮሮናቫይረስ ዝምልከት ዘካይድዎ ልዝብ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ'ሎ


ሰበ-ስልጣን ዋይት ሃውስን ላዕለዎት ሰበስልጣን ደሞክራትን ክሳብ`ዚ መወዳእታ ሰሙን ብዛዕባ ድጎማ ኮሮናቫይረስ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ይፍትኑ`ለዉ። ክልቲኦም ወገናት ሎሚ ረቡዕ ንሳልሳይ ተኸታተልቲ መዓልታት ይከራከሩ`ለዉ። ክልቲኦም ወገናት ዝያዳ ዘፈላልዮም ዘሎ- ዓቐን ናይቲ ገንዘብ ክኸውን ከሎ፥ ደሞክራት 3.4 ትሪልየን ተወሳኺ ሓገዝ ክሓቱ ከለዉ፣ ሪፓብሊካን ግን ናብ 1 ትሪልየን ክድረት ይደክዩዎ ይደልዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ኣሜሪካ ህቦብላ ዝናብ ኢሳያስ ብምብራቓዊ ገማግም ኣብ ዝሓለፈሉ ሽዱሽተ ሰባት ምሟቶም ተሓቢሩ’ሎ።

እቲ ህቦብላ ዝናብ ናይ ንፋስ ማዕበል ኣበጊሱ ኣብ ኖርዝ ካሮላይና ክልተ ሰባት ክቐትል ከሎ ፥ እቲ ንፋስ ብዘውደቖ ኣእዋም ድማ ኣብ መሪላንድ ሓንቲ ሰበይቲ ፥ ኣብ ኒው ዮርክ ድማ ሓደ ሰብ፥ ኣብ ደላወር ድማ ሓደ ሰብ ህይወቶም ሓሊፉ`ሎ።

ካብ ከባቢ ካሪብያን ተበጊሱ ንምብራቓዊ ኣሜሪካ ክጸፍዕ ዝጸንሐ ህቦብላ ዝናብ ኢሳያስ፥ ሎሚ ረቡዕ ጀሚሩ ክሳብ ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ደቡባዊ ካናዳ ምስ በጽሐ ሓይሉ እናደኸመ ከምዝኸይድ ተንበይቲ ኩነታት ኣየር ይገልጹ`ለዉ።

ንህቦብላ ዝናብ ዝውሃብ ኣሽማት ብሃገራዊ ማእከል ሀሪከይን ኮይኑ ፥ ብመስርዕ ፊደላት እንግሊዝኛ ናይ ወድን ጓልን ኣሽማት በብተራ እንተቐያየረ ዝውሃብ`ዩ። እንተኾነ ብዙሕ ፍሉጣት ብዘይኮኑ ኣሽማት ዝጅምሩ ፊደላት ይስገሩ`ዮም።

Recommended

XS
SM
MD
LG