ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን ክልል ትግራይ ንመንእሰያት ብሓይሊ ይምልምሉ ከምዘለዉ ሮይተርስ ሓቢሩ


ፋይል
ፋይል

ሰበ-ስልጣን`ታ ብዂናት ዝተሓመሰት ክልል ትግራይ፡ መንእሰያት ኣንጻር መንግስቲ ኽዓጥቁ ብሓይሊ ይምልምሉ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ንምሩኻትን ንነበርትን መሰረት ጌሩ ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ ሰበ-ስልጣን ትግራይ እቶም መንእሰያት እንተዘይዓጢቖም ንኣባላት ስድራቤቶም ንምእሳር ከምዘፈራርሑ ጠቒሱ`ሎ።

ኣባል ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ ዝኾነ ኪንደያ ገብርሂወት ግን፡ ገለ ኣብ ታሕታዋይ ጽፍሒ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ንወለዲ ኣሲሮም`ዮም ግን እዚ ሳሕቲ`ዩ እቶም ወለዲ`ውን ተፈቲሖም`ዮም እቶም ሰበ-ስልጣን`ውን ተቐጺዖም`ዮም ኢሉ።

ሮይተርስ ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ ግንቦት ምስ ነበርቲ ትግራይ ምስ ዝተማረኹ ዕጡቓትን ምስ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንመንእሰያት ናብ ዂናት ንምምልማል ንምግዳድ ስድራቤታት ከምዝእሰሩ ዘመልክት ምዃኑ ብዝርዝር ጸብጺቡ`ሎ።

ሮይተርስ ብህወሓት ኣቢሉ ካብ ፖሊስ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ናይ መራኸቢ መስመራት ጸገም ምላሽ ክረክብ ከምዘይክኣለ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG