ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን ኬንያ ሚልሽያ ኣልሸባብ ሽዱሽተ ሰባት ቀቲሎም ይብሉ


ሰበ ስልጣን ኬንያ ነቶም ሰኑይ ንጉሆ ኣብ ጥቃ ዶብ ሶማል ወረዳ ለሙ ሽዱሽተ ሰባት ዝቐተሉ ተጠርጠርቲ ኣሸበርቲ ኣልሽባብ እዮም ብምባል ይሃድንዎም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

ኮሚሽነር ወረዳ ለሙ ኬንያ ኢሩንጉ ማቻራ ከምዝበልዎ እቶም ተጠርጠርቲ ሚሊሽያ ኣልሸባብ ሰኑይ ንጉሆ ነቶም ቁሸተኛታት ኣጥቂዖም ኣብ ከባቢ ወረዳ ዊድሁ ቀቲሎሞም ኢሎም።

ሲቲዜን ቲቪ ዝተባህለ ቴሌቭዥን ኬንያ ሓደ ብጥይት ሓደ ብፋስ ወይ ጎዞሞ ካልእ ተቆራሪጹ ክመውት ክግበር ከሎ እቶም ካልኦት ብህይወቶም ከለው ብሓዊ ክነዱ ተገይሩ ኢሉ'ሎ።

ኮሚሽነር ወረዳ ለሙ ማቻራ ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ከባቢ ኣዋፊሮም ነቶም ተጠርጠርቲ ይሃድንዎም ከምዘለዉ'ውን ገሊጾም'ለዉ።

XS
SM
MD
LG